ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተፈጸመ ቅትለት ብዝተኣሳሰር ዝተወስደ ስጉምቲ ዝተመጣጠነ’ዩ’ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ 15 ሰነ 2011 ምስ ዝተፈፀመ ቅትለት ብዝተኣሳሰረ መንግስቶም ይወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ዝተመጣጠነ እዩ ኢሎም ። ንሶም ምስ ቅትለት ኣዛዚ ስታፍ ኢትዮጵያ ጀነራል ስዓረ መኮነንን ጡረተኛ ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ቀታሊ ብዛዕባ ዝተባህለ ሓላዊኦምን፣ንዝምድና ህውሓትን ኣዴፓን፣ከምኡ እውን ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝምልከት ትማሊ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ አዲስ ኣበባ ሂቦም።

15 ሰነ በቲ ዝተሃቀኖ ሰባት እንተዝቕተሉ ነይሮም ዝለዓለ ህልቂት ምፈጠረ ኔሩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ መንግስቶም ኣብዚ ጉዳይ ይወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ተመጣጣኒ እዩ ኢሎም።

“ኣብዚ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ብድምር ንኣስታት 350 ሰባት ኢና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ልዕሊ 1,200 ጥቆማ በፂሑና ነቲ ውሱን ኢና ሒዝና።እዚ ጥራሕ እውን ኣይኮነን ካብ ዝሓዝናዮም ኣስታት 120 ሰባት ኣፃሪና ፈቲሕና ኣለና፤ኣብ ቀረባ እውን ክቕፅል እዩ።”

ንጀነራል ሰዓረ መኮነን ብምቕታል ብዛዕባ ዝተጠርጠረ ሓላዊኦም ክገልጹ ድማ “ንጀነራል ስዓረን ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ዝቐተለ ወታደር ስለዝቖሰለ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሕክምና እዩ ዝርከብ።ኣብ ከባቢ ክሳዱ ስለዝቖሰለን ምዝራብ ስለዘይኽእልን ክሳብ ዝሕሾ ሓዱሽ ነገር ኣይተረኽበን።ብህይወት ግን ኣሎ፤ኣብ ሕክምና ኣሎ” ኢሎም።

ምስ እዚ ሰብ እዚ ርክብ ዝነበሮም ብህይወት ዝተትሓዙ ሰባት ግን ኣለው’ዶ ንዝብል ዝቐረበሎ ሕቶ ቀ/ሚ ኣብይ “ንኣብነት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዕልዋ መንግስቲ ተፈፂሙ’ሎ ምስተባህለ ኣነ ቴሌቪዥን ናይ ምርኣይ ዕድል ስለዘይብለይ ደዊልካ ንገረኒ ዝተባህለን ደዊሉ ዝተዛረቦን ሰብ ተታሒዙ’ሎ።ኣቐዲሙ ዝተተለመ እዩ ነይሩ።ተወሳኺ ሰባት ንምቕታል ዝተመደቡ ሰባት ነይሮም” ኢሎም።

ብብዙሕ መንገዲ ዝተሓባበሩ ኣብ ውሽጢ ሃገር፣ኣብ ወፃኢ፣ኣብ ስራሕ መንግስቲ፣ብገንዘብን ጎስጓስን ሚዲያን ዝሓገዙ፣ብረት ዝገዝኡን ኣብ ስልጠና ዝሓገዙን ብዝምልከት ብዙሕ ሓበሬታ ኣሎ ኢሎም።

ዝቕፅል ሃገራዊ ምርጫ ውድቦም ኢህወዴግ እዋኑ ሓሊዩ ክካየድ ከምዘለዎ ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ እንተበፅሐ እውን እቲ ምርጫ ናይ ምንዋሕን ዘይምንዋሕን ጉዳይ ግን ብገዛኢ ፓርቲ ጥራሕ ኣይውሰንን ኢሎም።

ንምክሳስ ህውሓትን ኣዴፓን ብዝምልከት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ክገልፁ ከለው ክልቲኦም ውድባት በዚ ደረጃ ብወግዒ ከምዚ ተባሃሂሎም ዘይፈልጡ እንተኾኑ እውን ኣብ መደረኻትና ካብዚ ብዝብኣሰ ብዝርዝርን ሓያል ብዝበለ ኣገባብ ይዘራረቡ ነይሮም ኢሎም።

“ህውሓትን ኣዴፓን በቲ ዝተለዋወጡዎ ኣገባብ እንተዘይኸውን ይምረፅ ነይሩ ዝብሉ ሰባት ኣለው።ኣነ እውን እስማማዕ እየ።ካብኡ ዝሓሸ ናይ መዘራረቢ መድረኻት ነይሩዎም እዩ።ከምኡ ምምልላሶም ግን ብዙሕ ከሰንብደና ኣይግባእን።ጥይት ክሳብ ዘይሓወሰ ፖለቲካ ንዝርርብ ክፉት ስለዝኾነ ዝኾነ ይኹን ሰብ ዝስምዖ ክገልፅ ክንፈቅድ ኣለና።”

ብዛዕባ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝምልከት ዝተሓተቱ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ሕጂ ብዘሎ ኩነታት ኢትዮጵያ ካብ እትቀራረበን ሃገራት ብምንፅፃር ዝሓሸ ጉርብትናን ርክብን ዘለዋ ምስ ኤርትራ እዩ ኢሎም።

መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኩሉ መዳይ ብቐረባ ክሰርሕ ከምዝደልይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክግንዘብ ኣለዎ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር ይኹን እምበር ዶብ ምስተኸፈተ ህዝቢ ብኽልቲኡ ወገናት ብበብሒ ብምእታው ብዙሕ ናይ ቁጠባን ናይ ባህልን ምዝባዕ ስለዘምፅአ መንግስቲ ደው ኢሉ ክሪእዮ ኣድላይ እዩ ኢሎም።እዚ ማለት ግን ፀገም ኣሎ ማለት ኣይኮነን ምስበሉ ብወገን ኤርትራ ይስርሑ ኣለው ዝበሉዎም ዝምልከት ከምዚ ኢሎም።

“ንኣብነት መንግስቲ ኤርትራ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝሓሸ ካብ ዓዲ ቐይሕ ናብ ዛላንበሳ ዝወስድ መንገዲ እናሃነፆ ይርከብ።ንግዲ ክሰፍሕ ስለዝኽእል፣ምጥቃም ወደብ ባጽዕ ክጅምር ስለዝኽእል፣ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መንገዲ ክንሃንፅ ኣለና ኢሉ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።ኣብ ቀረባ ከይድና ዝተዓዘብናዮ እውን እዚ እዩ።ዓሰብ ብዝምልከት እውን ብርክት ዝበሉ ፕሮፕዛላት ቀሪቦም መንግስቲ ኤርትራ ይሰርሓሉ ኣሎ።ኩሎም ናይ ቁጠባ ምልውዋጥ ክሳልጡ ዝኽእሉ ዓውድታት ብናቶም ወገን ሰፊሕ ምድላው ገይሮም እናተሰርሐሉ ይርከብ።”

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ወሲኾም ክልተ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ክልተ ዝተፈላለየ ፖሊስታትን ሓሳባትን ዘለወን ሃገራት ኣብ ሓደ ዓውዲ ንምስራሕ ዘኽእሎም ሓባራዊ ነገር ክሳብ ዝፈጥሩ ምዝርራብ የድልዮም እዩ እዚ እውን ብትዕግስቲ ምፅባይ የድሊ እዩ ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG