ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ወረዳ ደራሼ ሓይልታት ጸጥታ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ 6 ሰባት ምቕታሎም ስድራ መወቲን ሓቢሮም


ወረዳ ደራሼ
ወረዳ ደራሼ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ወረዳ ደራሼ ሓይልታት ጸጥታ ዝሓለፈ ሰሙን ብለይቲ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ሽዱሽተ ሰላማዊያን ሰባት ተቐቲሎም ክብሉ ቤተሰብ መወቲ ምዃኖም ዝሓበሩን ኣብቲ ከባቢ ከምዝነበሩ ዝዛረቡን ሰባት ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

በቲ መጥቃዕቲ ብኸቢድ ዝቖሰሉ ከምዘለዉን ዝተታሕዙ ከምዘለዉን ከምኡ`ውን ሓደ ቆልዓ ዝተቐትለ ከምዘሎ እቶም መሰኻኽር ይገልጹ። ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ደቡብ ኣለማየሁ ማሞ፡ እቲ ተወሲዱ ዝተባህለ ስጉምቲ ትኽክል ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ዝተቐትሉ ከምዘለዉ፡ 18 ዝኾኑ ዝተኣስሩ ከምዘለዉን ኣረጋጊጹ ፡ዝተቐትለ ቆልዓ ብዛዕባ ምህላዉ ግን ዝፈልጦ ከምዘይብሉ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ።

እቲ ኮምሽነር ፖሊስ ኣስዒቡ እቶም ሰባት ምስ ሓይልታት ጸጥታ ግንባር ገጢሞም ዝተታኾሱ ገበነኛታት`ዮም ኢሉ'ሎ ።

XS
SM
MD
LG