ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ወረዳ ዋጀ አላማጣ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ምጅማሩ ተገሊጹ


ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ19ን ኵናትን ንክልተ ዓመታት ኣብ ወረዳ ዋጃ ኣላማጣ ተቛሪፁ ዝነበረ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ምጅማሩ እቲ ወረዳ ኣፍሊጡ።ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ንፈለማ ግዜ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ትምህርቲ ከምዝጀመረ ተፈሊጡ። ይኹን እምበር ክምሃሩ ካብ ዝግብኦም ተማሃሮ 10 ሚእታዊት ጥራይ ይመሃሩ ምህላዎም ተገሊጹ።

ሓላፊ ማሕበራዊ ዘፈር ግዚያዊ ምምሕዳር ዋጃ ኣላማጣ ኣቶ ሙሉጌታ ኣስማማው ምምሃር ምስትምሃር ኣብዚ ሰሙን ክቕፅል ምስተገበረ ብ ቋንቋ አደ ናይ ምምሃር ሕቶ ብዝተወሰነ ደረጃ ተመሊሱ ኣሎ ኢሎም።

ተወካሊ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ኣቶ ተካ ንጋቱ ኣብቲ ወረዳ ክምሃሩ ዝግብኦም ልዕሊ 19,000 ተማሃሮ እንተኾኑ እውን ኣብ ሓደ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትን 14 ቀዳማይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ይመሃሩ ዘለው 1,140 ተማሃሮ እዮም ኢሎም።

XS
SM
MD
LG