ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ዝወጹ ሓደሽቲ መግሃስቲታት ናብ ተጋሩ መራሕቲ ነበር የነጻጽሩ


ዲያቆን በፅሃ ደረሰ

ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ዘቑፀረ ኲናት ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ገዛእቲ ነበርን ዝቐረበ ሓዱሽ ክስታት መግሃስትን ሓዊሱ ኣጀማምራ እቲ ኲናትን ኣብ ልዕሊ ተዋሳእቲ ኣካላት ዝቐረቡ ክስታትን ብዝምልከት ሮይተርስ ፍሉይ ፀብፃብ ኣውፂኡ ኣሎ።

ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረ ኲናት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ናይ ክልል ኣምሓራ ከተማ ንፋስ መውጫ በፂሑ።ሓይልታት ትግራይ ኣብታ ከተማ በፂሖም።28 ዝዕድሚኡ ዲያቆን በፅሃ ደረሰን ካልኦትን ናብ ዱር ሃዲሞም።ዲያቆን በፅሃ ዓርኩ ዲያቆን ሙላት ኣይነኩሉ መኮነን ግን መፅሓፉ ክወስድ ተመሊሱ ይብል ።

ሓይልታት ትግራይ "ኣብ ልዕሌና ምትኳስ ስለዝጀመሩ ሃዲምና’’ይብል።በፅሃ ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ናብ ቤተ ክርስትያን ምስተመለሰ ሬሳ ናይ 35 ዝዕድሚኡ ሙላት ረኺቡ።ብጥይት እዩ ተወቒዑ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ በለጠ ኣስራቴ ተዋጋእቲ ትግራይ ኣብታ ከተማ ን27 ስቪላት ደቂ ተባዕቲዮ ቀቲሎም ይብል።በለጠ:በፅሃን ካልኦትን እቶም ግዳያት ዘይተዓጠቑ እዮም ይብሉ።ካልእ ሰብ ድማ ገሊኦም ግዳያት ዕጡቓት ነይሮም ይብል።እዞም ሰባት ክቕተሉ ዝርኣየ ዋላ ሓደ ሰብ ግን የለን።

ናይታ ከተማ ሰባት ልዕሊ 70 ደቂ ኣንስትዮ ብተዋጋእቲ ትግራይ ፆታዊ ዓመፅ ከምዝተፈፀመን ይዛረቡ።ሮይተርስ ንሰለስተ ደቂ ኣንስትዮን ሰራሕተኛታት ጥዕና ፣ከባቢያዊ ሰበስልጣን ንናይ ፌደራል ዓቀብቲ ሕግን ኣዘራሪቡ ኣሎ።እቶም ፈፀምቲ ፆታዊ መጥቓዕቲ መናእሰይ እዮም ትብል ተደጋጋሚ ፆታዊ መጥቓዕቲ ከምዝተፈጸማን ቀልባ ስሒታ ከምዝነበረትን ትገልፅ ጓል 37 ዓመት ኣገሬ ያይናለም።

‘’ለሚነዮም’’በለት ኣገሬ "ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋት'ዶ የብልኩምን፧ንዕአን ሕሰቡ’’ ኢለዮም ትብል እዛ ሮይተርስ ብሽማ ዝጠቐሳን ፎቶግራፋ ኣብ ፀብፃቡ ዘውፅኣን ጓል ኣንስተይቲ ’’ኣብ ልዕለይ ዝኸፍአ በደል ተፈፂሙ’’ትብል።

እቲ ኲናት ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ ዝጅመር ሮይተርስ ብኩሎም ወገናት ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ፀብፂቡ እዩ።

ሓይልታት ትግራይ ብመራሕቲ ህወሓት ይእዘዙ።መብዛሕቲኦም ተዋጋእቲ ኣባላት ህወሓት ኣይኹን እምበር።ኣንፃሮም ዝገጠሙ ሰራዊት ፌደራል ኢትዮጵያ ፣ ወታሃደራት ጎረቤት ሃገር ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን እዮም።

እቲ ግጭት ንህይወት ኣሽሓት ስቪላት ኣጥፊኡ።ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 400,000 ሰባት ድማ ዓፀቦ ናብ ዝመስል ኩነታት ኣእትዩዎም።ኣብ መላእ ሰሜን ኢትዮጵያ 9.4 ሚሊዮን ህዝቢ ተጸበይቲ ረድኤት ኮይኖም ኣለው።ኣስታት 60,000 ሰባት ድማ ናብ ሱዳን ሃዲሞም።

ንሸሞንተ ኣዋርሕ እቲ ውግእ ኣብ ትግራይ እዩ ተኻይዱ።ክስታት ቅትለትን ጃምላዊ ፆታዊ ዓመፅን ብሮይተርስን ካልኦትን ተፀብፂቦም እዮም።ድሕሪ ሓምለ ግን እቲ ውግእ ናብ ደቡብ ገፁ ተጋፊሑ።ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣትዮም።ሓይልታት ትግራይ ኣብ ንፋስ መውጫ ፆታዊ ዓመፅ ፈፂሞም፣ንብረት ሰሪቖምን መጥቓዕቲ ፈፂሞምን ክብል ኣብ ሕዳር ዝወፀ ፀብፃብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ይኸስስ።ኣምነስቲ ኣብታ ከተማ ኣይበፅሐን።ፀብፃቡ ምስ ነበርቲ ኣብ ዘካየዶ ናይ ስልኪ ቃለ ምልልስ ዝተመስረተ እዩ።

ህወሓት ንዝተጠቐሱ ክስታት ፆታዊ ዓመፅ ብምምርማር ‘’ፈፀምቱ ናብ ሕጊ ከምዘቕርቦም’’ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሓይልታት ትግራይ ተታሒዞም ዝነበሩ ግዝኣታት ኣምሓራ ምስ ተቖፃፀሩዎ ጋዜጠኛታት ሮይተርስ ናብ ንፋስ መውጫን ካልኦት ከተማታትን ኣብ ሕዳር ተጓዒዞም።ሮይተርስ ንበፅሃ፣ኣግሬን ካልኦትን ኣዘራሪቡዎም።

ህወሓት ንሕቶታት በዚ ፀብፃብ ዝቐረቡ ክስታት ኣይመለሰን።መራሕቲ ህወሓት ሓይልታት ትግራይ ፈፂሞም ንዝብሃሉ መግሃስታት ብተደጋጋሚ ብምንፃግ ዓለምለኸ ነፃ ምርመራ ክካይድ ይፅውዑ።

ንገለ ናይ ወፃኢ ሰባት ናይ ኢትዮጵያ ግጭት ውፅኢት 45 ዓመት ዝዕድሚኦም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ተገይሩ ይርኣይ።ገለ ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይን ሓይልታቶምን ንትግራይን 5.5 ሚሊዮን ህዝባን ንምስባር ብምፍታን ይኸሱዎም።ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ፍሉይ ልኡኽ ፐካ ሃቪስቶ ኣብ ሰነ ከምዝበሉዎ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ መጀመሪያ እዚ ዓመት ኣብ ናይ ዕፅው ማዕፆ ዝርርብ "ትግራዎት ንሓደ ምእቲ ዓመት ክነጥፍኦም ኢና’’ ከምዝበሉዎም ገሊፆም ነይሮም።መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክሲ ብትሪ ነፂጉዎ።

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ‘’ተግባር ምፅናት ዓሌት ተፈፂሙ’’ ክብሉ ኣብ መጋቢት ንኮንግረስ ቃል ሂቦም ነይሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ግን ብዙሓት ሰባት ንምፍሳስ ደም ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ ይኸሱ።

ብዙሓት ኣብ ትግራይ ዝተፍፀሙ ቅትለታት ብወታሃደራት ኤርትራ ከምዝተፈፀሙ ክስታት ይቐርብ።ብናይ ኢትዮጵያ ፌደራል ወታሃደራትን ሚሊሽያታት ኣምሓራን እውን ቅትለታት ከምዝተፈፀሙ ሓባራዊ ምርመራ ሕቡራት ሃገራትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ገሊፁ እዩ።ሮይተርስ ከምዝፀብፀቦ እቶም መግሃስቲታት መስቀይቲ ፣ ቅትለታት ስቪላትን ብዕስለ ፆታዊ ዓመፅን ይሓውስ።

ኤርትራ ወታሃደራታ ከምኡ ዝበሉ መግሃስታት ኣይፈፀሙን ክትብል ኣሉታ ሂባትሉ ኣላ።መንግስቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኤርትራ ነቶም ፈፅምቲ ተሓተቲ ክተገብሮም እያ ክብል ቅድም ክብል ገሊፁ ነይሩ።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ ልዕሊ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ምርመራ ከምዝካየድ ቃል ኣትዮም እዮም።ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራ ብሓይልታት ኣምሓራ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ግፍዕታት መሰረት ዘይብሎም እዮም ክብሉ ነፂጎምዎ።

ሮይተርስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ማይ ካድራ ንልዕሊ 200 ኣምሓሩን ኣብ ሰሜን ምዕራብ ንብዙሓት ኤርትራዊይን ስደተኛታትን ከምዝቐተሉ ፀብፂቡ እዩ።ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ስሩዓት ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ቅትለት ምስታፎም ብምንፃግ ከባቢያዊ ሚሊሽያ ትግራይ ግን መግሃስቲ ፈፂምም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ክብሉ ገሊፆም እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ዝወጹ ሓደሽቲ መግሃስቲታት ናብ ተጋሩ መራሕቲ ነበር የነጻጽሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:23:06 0:00


ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG