ኣብ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ይጋፋሕ ዘሎ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ንቆልዑ የጥቅዕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።ትካል ህፃናት ኣድሕን ሕቡራት ሃገራት /UNICEF/ ካብ ኣጠቓላሊ በቲ ሕማም ዝተትሓዙ እቶም 60 ህፃናት ምዃኖምን ኣቐዲሙ ግን እቲ ቁጽሪ ኣስታት 20 ሚእታዊት ካብ በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ምንባሩን ኣፍሊጡ።
ዓለምለኸ ትካል ጥዕና ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ 1,670 ዝሞቱ ሓዊሱ ልዕሊ 2,500 ሰባት በቲ ለበዳ ከምዝተጠቕዑ ሓቢሩ።ካብዚኦም እቶም 750 ህፃናት ምዃኖም ዩኒሴፍ ይገልፅ።
ወሃቢት ቃል ዩኒሴፍ ማሪክሲ መርካዶ ቀንዲ ግዳያት ድማ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት እዮም ኢለን።
“ካብቶም በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት 77 ሚእታዊት ሞይቶም። እዚ ቁጽሪ ምስ ብሓፈሻ በቲ ለበዳ ዝሞቱ 67 ሚእታዊት ክወዳደር ከሎ ካብ ኣባፅሕ ንላዕሊ ህፃናት ንሓደጋ ዝተቓልዑ ምዃኖም እዩ።”
ንሰን ወሲኸን ስለዚ ድማ ህፃናት ዝተፈለየ ክንክን የድልዮም እዩ ኢለን።ኣብ ኮንጎ ኣብ ማእኸል ሕክምና ኢቦላ ሓካይም ንህፃናት ዝተፈለየ ክንክን ከምዝገብሩን ንነፍሲ ወከፍ ቆልዓ ካብ ኢቦላ ዝድሓነ /እሞ ኸኣ ሕማም ኢቦላ ስለዘየጥቕዖ/ ሓደ ተኸናኻኒ ሰብ ከምዝምደበሉ ገሊፀን።