ዋሽንግተን —
ኣብ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ 2 ጥቅምቲ 2021 አጋጢሙ ዝነበረ ተርእዮታት ኢቦላ ከምዝተቆፃፀርዎ ትካል ጥዕና ዓለም ክፍሊ ኣፍሪቃ ሎሚ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ ። ሰበስልጣን ጥዕና እታ ሃገር ከምዝበልዎ ድሕሪ ን42 መዓልታት ዝተካየደ ምክትታል ወይ'ውን ክልተ እዋናት ምውሻብ ሓዱሽ ተርእዮ ከምዘይረኸቡ ወግዓዊ ገይሮም ።
እቲ መግለፂ ወሲኹ ፈላማይ ተርእዮ ምስተረጋገፀ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት እቲ ሓድሽ ኣብ ቀረባ ፍቃድ ዝተዋህቦ ERVEBRO ዝተባህለ ክታበት ልዕሊ 1800 ሰባት ምውሳዶም ሓቢሩ ። ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ንኣፍሪካ ዶ/ር ማሺዲሶ ሞቲ ሓያል ክትትል ሕማማት ፣ ማሕበረሰባዊ ተሳትፎን ውፅኢታዊ ክታበትን ቅልጡፍ ምላሽ ክርከብ ኣኽኢሉዎ እዩ ክብል ገሊጹ`ሎ።
ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ኪቩ ዝርከብ መደበር ጥዕና ቤኒ ከምዘረጋገፆ ንሽዱሽተ ዝሞቱ ሰባት ሓዊሱ 11 በቲ ቫይረስ ዝተለክፉ (8 ዝተረጋገፁ 3 ዝተጠርጠሩ) ኣብ 8 ጥቅምቲ ንተርእዮ ኢቦላ ዝገብሮ ሪፖርት ምሕባሩ ዝዝከር እዩ ። እዚ ኣብታ ሃገር ንመበል 13 ግዜ ዝተከሰተ ሕማም እዩ ።