ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክ/ግዝኣት ዋያመ ዝተኻየደ ምርጫ ተራር ተቓዋሚት ፕረ.ትራምፕ ሊዝ ቸንይ ተሳዒራ


ሊዝ ቸንይ
ሊዝ ቸንይ

ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ተራር ተቃዋሚት ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ሪፖብሊካን ሊዝ ቸንይ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ዋያመ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝተገብረ ምርጫ በቶም ፕረዚደንት ነበር ብትድገፍ ተወዳዳሪት ተሳዒራ።

ኣብዚ ምርጫ ዝተዓወተት ሀርየት ሄግመን ድሕሪ ዓወታ እዚ ንበይነይ ዝገበርክዎ ኣይኮነን ብምባል ንትራምፕ አመስጊና'ላ።

ሊዝ ቸንይ ብወገና ንደገፍታ እዚ ስዕረታ ኣብ ፖለቲካዊ ሞያኣ ምጅማር ሓድሽ ምዕራፍ ምዃኑ አመልኪታ'ላ።

ሊዝ ቸንይ ድሮ ካብ ባይቶ ኣመሪካ ሰጊራ ምናልባት'ዉን ኣብ 2024 ኣብ ዝግበር ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተማዕድው አላ።

ኣብ ካልእ ምርጫ ኸኣ ንፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ትቃወም ሪፖብሊካን ሊሳ መሮዊስኪ ብትራምፕ ንትድገፍ ኬላ ቱሽባካ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ምርጫ ንምግጣማ ኣብ ኣላስካ ተዳልያ'ላ።

ኣብ ኣላስካ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ንዝዓረፉ ኣባል ባይቶ ተኪኦም ክሳብ ምርጫ ንኽሰርሑ ብትራምፕ እትድገፍን ሳራ ፐይለንን ካልእ ሓደ ሪፑብሊካንን ዲሞክራትን ይወዳደሩ'ለዉ።

XS
SM
MD
LG