ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትግራይ: ኣብ ክራማት ሎሚ ዓመት 1.2 ሚልዮን ሄክታር መሬት ክዝራእ ትልሚ ከምዝተታሕዘ ተገሊጹ


ኣብ ትግራይ ሎሚ ክራማት 1.2 ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ክሽፈን ተተሊሙ ኣሎ:: ናይ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ሓረስቶት ዘለዎም ምድላዋት ብዝምልከት ኣዘራሪብናዮም ኣለና::

ቐሺ ገብራይ ኪዳነማርያም ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ ወርዒለኸ ጣብያ ወርዒ ነባሪ እዮም:: ኣብቲ ቆላ ኩነታት ኣየር ዘለዎ ወርዒ ፍርቂ ሄክታር መሬቶም ዕፉን ዘሪኦምዎ:: ኣብ ከባቢኦም ብበዝሒ ዕፉን ከምዝዝራእ እዮም ዝዛረቡ:: ካብ ናይ ባዕሎም መሬት ብተወሳኺ ኣብ ናይ ካልኦት መሬት ብትውፍርቲ ከምዝሓረሱ ዝገለፁ ቐሺ ገብራይ ነዚ ድማ እኹል ዝኾነ ዘመናዊ ድኹዒ ከምዝተጠቐሙ ይዛረቡ::

ካልእ ሓረስታይ ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ጣብያ ለሳልሰ ጣፍ ዝዝራእ መሬቶም እናሓረሱ ዝረኸበናዮም ሃለቃ ኣለም ገብረፃድቕ እዮም:: ከባቢኦም ብብዝሒ ጣፍ ዝዝረአሉ ኮይኑ ኣብ ፈላማይ መዓልታት ወርሒ ሓምለ ንምዝራእ ድማ መሬቶም ደጋጊሞም ይሓርሱ ከምዘለዉ ገሊፆም::

ሓረስታይ ነጋሲ ሃይለ ድማ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ጣብያ ዓዲ ግዳድ ነባሪ እዮም:: ንሶም ድማ ዘለዎም ሓደ ሄክታርን ፈረቓን መሬት ጣፍ: መሸላን ዓተርን ንምዝራእ ከምዝተዳለዉ ተዛሪቦም:: ነዚ ድማ መሬቶም ደጋጊሞም ይሓርሱ ምህላዎምን ዘድልዩ እታወታት ሕርሻ ይጥቀሙ ከምዘለዉ ተዛሪቦም::

ኣብ ትግራይ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2011 / 2012 ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ሄክታር መሬት ክዝራእ ትልሚ ዝተታሕዘ ኮይኑ ካብዚ ልዕሊ 18 ሚልዮን ኩንታል እቶት ክርከብ ተተሊሙ ከምዘሎ ካብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ::እቲ ሓበሬታ ዘራእቲ ሰሊጥ: ስርናይ: ጣፍ:መሸላን ዕፉንን ድማ ብበዝሒ ዝዝራእ ምኻኑ እዩ ተገሊፁ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG