ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልተ ወረዳታት ምዕራብ ወለጋ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 12 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


ዕጡቃት ኣብ ክልተ ወረዳታት ምብራቅ ወለጋን ሆሮ ጉዱሩን መጥቃዕቲ አውሪዶም ንሰላማዊያን ሰባት ከምዝቀተሉ ተፈሊጡ።

ብሰንኪ’ቲ መጥቃዕቲ 12 ሰባት ከምዝሞቱን ብዝሖም ዘይተነጸሩ ሰባት ከምዝቆሰሉስ ፣ ናይ ዓይኒ መሰካኽር ይገልጹ።

ኣማሓደሪ ዞባ ሆሮ ጉድሩ ኣቶ በቀለ ደቻሳ "ኦነግ ሸኔ፣ ኣብ ኣቤ ደንጎሮ፣ ንሰለስተ ሲቪላትን ሰለስተ ምልሻታትን ቀቲሎም" ኢሎም። ክልተ ካብ’ቶም ዕጡቃት’ውን ከምዝሞቱ ጠቂሶም።

ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቅ ወለጋ ብወገኖም "ኣጻርየ ርእይቶ ክህብ እየ" ኢሎም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ኣንፆኪያ ገምዘን ኣብ ምምሕዳር ማሕበረሰብ ኦሮምያ ዞባ ኣርጡማ ወረዳ ፋርሲን ኣብ ዘራኽቡ ቀበሌ ኣገረማርያም ማጮራን ቀበሌ ዲምቱ ጨቆርሶ ብዝተላዕለ ጎንፂ ሞት ክልተ ሰባትን መቁሰልቲ ሓሙሽተ ሰባትን ከየስዓበ ኣይተረፈን ክብሉ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ የመልክት ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::


XS
SM
MD
LG