ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ መዳጎኒ ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ኵነታቶም የተሓሳስብ


ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ መዳጎኒ ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ኵነታቶም የተሓሳስብ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:36 0:00

ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ መዳጎኒ ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ኵነታቶም የተሓሳስብ

ሰለስተ ላዕለዎት ፖለቲከኛታት ክልል ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ መዳጎንታት ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ሰብኣዊ መሰሎም ንክኽበር ፀቕጢ ክገብር ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ምሕታቶም ገሊፆም።

እቲ ኮሚሽን ብወገኑ ነቲ ጉዳይ ይከታተሎ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ኩነታቶም ንህይወት ኣብ ዘስግእ ደረጃ ከምዘሎ ድማ ገሊፁ። ናይ ዘካየዶ ክትትል ውፅኢት ንቕድሚት ከምዝገልፅ ዘፍለጠ እቲ ኮሚሽን፣ ዝምልከቶም ኣካላት ነዚ ጉዳይ ህፁፅ ፍታሕ ክናድዩ ፀዊዑ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣማስያኡ ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና መግቢን ክልል ዓፋር ኣቶ መሓመድ ሑሴን ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዘመልከቶ፡ እቶም እሱራት ተወላዶ ትግራይ ኣብ መንጎኦም ብጥርጣረ ገበን ዝድለዩ ከም ዘለዉ፡ እንተዀነ እቶም ዝበዝሑ ካብቲ ክወርድ ዝኽእል ነድሪ ህዝቢ ኣብ ውሑስ ቦታ ንምፅናሖም ከም ዝተገብረ ጠቒሱ: ነቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን እሱራትን ዝቐረበ ክሲ ድማ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ክብል ምላሽ ሂቡ ኣሎ። ዝርዝሩ ኣብ ናይ ጽባሕ መደብና ተኸታትሉ።

XS
SM
MD
LG