ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ዓፋር ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጂ 13 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


ኢረብቲ ክልል ዓፋር -ፋይል
ኢረብቲ ክልል ዓፋር -ፋይል

ኣብ ክልል ዓፈር ከባብታት ዓሳዒታን ሎግያን ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ምውራዱ ተሓቢሩ።

በቲ ሓያል ውሕጅ 13 ሰባት ምሟቶምን ልዕሊ 42 ሺሕ ነበርቲ ካብ መነባብኦም ምዝንባሎምን ቤት ጽሕፈት ሕርሻን ጥሪትን`ቲ ክልል ኣፍሊጡ`ሎ። እቶም ተመዛበልቲ ዛጊት ዝተገብረሎም ረድኤት ከምዘየለ ብምግላጽ ቅልጡፍ ሓገዝ ክግበረሎም ተማሕጺኖም ኣለዉ።

ድምጺ ኣመሪካ ካብ ሰበ-ስልጣን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን ምላሽ ንምርካብ ኣብ ምስራሕ ይርከብ።

XS
SM
MD
LG