ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ዓፋር: ስፖርተኛታት ጽዒና ኣብ ዝነበረት ኣውቶቡስ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ተኹሲ 1 ሰብ ሞይቱ፡5 ቆሲሎም


ኣብ ክልል ዓፋር ስፖርተኛታት ፂዒና ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረት ኣውቶቡስ ዕጡቓት ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ሓደ ሰብ ክሞውት ከሎ 5 ድማ ቆሲሎም።

ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዋልታ-ፖሊስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበራ ጸወታ ፈጺማ ናብ ትግራይ ተምርሓሉ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን መንነቶም ብዘይተፈለጡ ኣካላት ኣብ ክልል ዓፋር ገዋኔ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ሎሚ ዓርቢ ከባቢ ሰዓት 3:30 ረፋድ ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ ህይወት ሓደ ሰብ ክጠፍእ ክኢሉ ክብሉ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ኮማንደር ሙሉ ዶሞዝ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ካብቶም ዝቖሰሉ ሓደ ከቢድ ጉድኣት ዝበፅሖ ክኸውን ከሎ ኣርባዕተ ድማ ቀሊል ጉድኣት በፂሕዎም ኢሎም።

ጉድኣት ዝበጽሖም ወገናት ብሄልኮፕተር ናብ ቢሾፍቱ ተወሲዶም ኣገልግሎት ሕክምና ክረኽቡ ተገይሩ’ሎ።

ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ክልል ዓፋር ኣይተ ኣሕመድ ሳሎይታ ብወገኖም በቲ መጥቃዕቲ ህዝብን መንግስትን ዓፋር ሓዘን ከምዝተሰምዖም ብምግላፅ እቲ ሓደጋ ዘብፅሑ ኣካላት ኮንትሮባንዲስት እዮም ኢሎም።

ኣይተ ኣሕመድ እቲ መጥቓዕቲ ዝተፈጸመሉ ዕንዱፎ ኣብ ዝበሃል ብበዝሒ ዓሌት ዒሳ ኣብ ዝርከብሉ እዩ ክብሉ ወሲኾም ተዛሪቦም።

ሓደጋ ዘብፅሑ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል ብፖሊስ ፌደራልን ሰራዊት ምክልኻልን ተሓጊዞም ይስራሕ ምህላዉ ተዛሪቦም።

አስከሬን ህይወቱ ናይ ዝሓለፈ ተፃዋታይን ካልኦት ጉድኣት ዝበፅሖምን ፅባሕ ንጉሆ ናብ መቐለ ክኣትዉ እዮም ተባሂሉ።

XS
SM
MD
LG