ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ሰባት እናተዓፈኑ ይእሰሩ ኣለው ይብል ዝበፅሐና ሓበሬታ ካብ ቤልጁም ዳይሬክተር ናይ ዓፋር ማእኸል ሓበሬታ ኣቶ ኣካዲር ኢብራሂም ብዛዕባ ምዕፋን እቶም ሰባት ከምዚ ይብሉ።
“ኣብኡ ዘሎ ኩነታት መዓልታዊ ይከታተሎ እየ።እቶም መናእሰይ ኣብኡ ዘካይድዎ ነገር ብኢሜይል ይኹን ብፎቶ ነቲ ምንቅስቓስ በብእዋኑ የፍልጡኒ እዮም።”
ኣቶ ኣካዲር ካብ ቤልጁም ብኢሜይል ኣብዝለኣኹዎ ፅሑፍ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ክልል ዓፋር ዩኒቨርስቲ ሰመራ ዝተለዓለ ዓመፅ ናብ ካልኦት 32 ወረዳታት ከምዝተጋፍሐ ይሕብር።
ናይ ዩኒቨርስቲ ሰመራ ሓላፊ ውዳበ ሓይሊ ሰብ ኣቶ ሳሌህ ረሺድ ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ ተዓፊኖም ከምዝተወስዱ፣ኣብዚ ሰዓት እዚ ኣበይ ከምዘለው ከምዘይፍለጥን መምህር ናይቲ ዪኒቨርስቲ ምዃኖም ዝገለፁን ሽሞም ክግለጽ ዘይደለዩን ተዛሪቦም ኣለው።
“ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ ሓላፊ ውዳበ ሓይሊ ሰብ ዩኒቨርስቲ ሰመራ ዝነበሩ ኣቶ ራሺድ ሳሊሕ ኣብ መዓልቲ ብሄርን ብሄረሰባትን ንሕክምና ካብ ጅቡቲ ኣብ ዝተመለስሉ ተዓፊኖም ከምዝተወሰዱ እዩ ዘለና ሓበሬታ።ክሳብ ሕጂ ኣበይ ከምዝኣተው ኣይፍለጥን።”
መን ከምዝኣሰሮም ዝተሓተቱ እዞም መምህር ምዃኖም ዝገለፁ ሰብ ግምትና ህውሓት ናይ ዝመርሖ መንግስቲ ደሕንነትን ብኣብዴፓ ከምዝተሰወረ እዩ ዘለና ሓበሬታ ኢሎም።
እቲ መንእሰይ ዘልዕሎም ብዙሓት ሕቶታት ዝልዓሉ እንተኾኑ እውን ዝምልስ ኣካል የለን ኢሎም ብምውሳኽ።
ምስዚ ተቓውሞ ብዝተኣሳሰረ ሓደ ተማሃራይን ኣባል ፖሊስ ናይቲ ዩኒቨርስቲን ከምዝተኣሰሩ ካልኦት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ድማ ካብ ፖሊስ ናይ ትድለዩ ኣለኹም ዝብል ትእዛዝ ዝበፅሖም ከምዘለው እዞም ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ መምህር እየ ዝበሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣምሓርኛ ገሊፆም።
ካብ ሰበስልጣን እቲ ክልል መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።