ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ 40 ሽሕ ጥሪት ብሰንኪ ደርቂ ምሟተን ተሓቢሩ


ደርቂ ኣብ ሶማሌ ክልል- ፍይል
ደርቂ ኣብ ሶማሌ ክልል- ፍይል

አብ ባሌ ክልል ኦሮምያ ብሰንኪ ዝወረደ ሓደጋ ደርቂ፣ ልዕሊ 40 ሽሕ ጥሪት ከምዝሞታን ካልኦት ብኣሽሓት ዝቑጸራ ኣብ ኣፍ ሞት ከምዝርከባን ተገሊጹ።

ቢሮ ሰበኽ ሳግም’ቲ ዞባ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "በቲ ደርቂ ንከይልከማ ተባሂሉ 86 ሽሕ ጥሪት፣ ናብ ካልእ ከባቢታት ኦሮምያ ከምዝተወሰዳ፣ እተን ዝተረፋ ድማ፣ ማይን ሳዕሪን ይቀርበለን ከምዘሎ" ጠቂሱ።

ኣብቲ ዞባ ግዳያት ደርቂ ኮይኖም ዘለው ዜጋታት በዝሖም ናብ 251 ሽሕ ክብ ምባሉ’ውን ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሪፖርት የመልክት።

XS
SM
MD
LG