ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉይ ሓይሊ ሶማል ኣብ ክልል ኦሮምያ ብዝፈጸሞ መጥቓዕቲ ህይወት ሰባት ምጥፍኡ ነበርቲ ሓቢሮም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ ጭናክሰን ፍሉይ ሓይሊ ሶማል ብዝፈፀምዎ መጥቓዕቲ ህይወት ብዙሓት ሰባት ምጥፍኡ ነበርቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ብዝፈጸሞ መጥቓዕቲ 14 ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊፁ።

እቲ ትካል ዓርቢ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ድማ ካብ ክልላት ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ዝተመዛበሉ ተወልደቲ ክልል ኣምሓራ ምላሽ ክውሃቦምን ኣድላዪ ሓለዋ ክግበረሎምን ፀዊዑ’ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓሌት መሰረት ዝገበሩ መጥቓዕትን ምስኡ ተኣሳሲሩ ብዝተፈፀሙ ምምዝባላት ደው ንምባል ከምኡ እውን ዜጋታት ሓለዋ ክግበረሎም ክስራሕ ኣለዎ ክብል ኣምነስቲ ገሊጹ።

ብኻልእ ዜና ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባታት ምብራቕን ምዕራብን ጉጂ ኣብ ዝርከቡ ኣዋሰንቲ ወረዳታት ግጭት ተላዒሉ ህይወት ብዙሓት ሰባት ምጥፍኡ ተፈሊጡ።

ብሰንኪ እቲ ግጭት ኣዚዩ ብዙሕ ህዝቢ ከምዝተመዛበለ እውን ዝበጽሓና ፀብፃብ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG