ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ደባይ ተዋጋእቲ 5 ሰባት ምቕታሎም ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ወልቂጠ ደባይ ተዋጋእቲ ንኣርባዕተ ሓይልታት ፀጥታን ሓደ ዘዋሪ ኣምቡላንስ ከምዝቐተሉን ንካልኦት ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ እውን ከምዝቖሰሉን ሓላፊ ፀጥታ’ቲ ወረዳ ገሊፆም።ናይቶም ተዋጋእቲ መራሒ ነቲ ቅትለት ከምዝፈፀሞ ኣሚኑ’ሎ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፀጥታን ምምሕዳርን ወረዳ ሜታ ወልቂጤ ኣቶ ጋዲሳ ሌንጁሳ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሃሮ ሜጢ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ነቶም ሓይልታት ፀጥታን ዘዋሪ ናይታ መኪናን ከምዝቐተሉዎም ሓቢሮም።እቶም ዕጡቓት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሓላፊ ፀጥታ እቲ ወረዳን ካልኦት ክልተ ዕጡቓት ሓለውቲ ጣቢያታትን ከምዝቐተሉ ኣቶ ጋዲሳ ሓቢሮም።

ኣብ ዞባ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ መራሒ ደባይ ተዋጋእቲ ኣብዲ ቢያ ነቲ ቕትለት ምፍፃሙ ብምግላፅ ኣብዝሓለፈ ዓመት ንዝተፈፀመ ቅትለት ግን የለናሉን ኢሉ’ሎ።

ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ደባይ ተዋጋእትን ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ብዝካየድ ግጭት እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ስግኣት ከምዝወደቐ ክገልፅ ምጽንሑ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG