ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ደቖም ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐትሉ ክልተ ወለዲ ሓቢሮም


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሰሜን ሸዋ ‘ወረ ጃርሶ’ ኣብ ዝተባህለ ወረዳ ዝሓለፈ ሰሉስ ደቆም ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ከምዝተቐተሉዎም ክልተ ወለዲ ንድምፂ ኣመሪካ ተዛሪቦም።

እቶም ወለዲ ምስ ዕጡቓት ሸኔ ርክብ ኣለዎም ብዝብል ናይ ዝተቐተሉ ደቆም ኣስከሬን ምልዓልን ምቕባርን ከምዘይክኣሉ ተዛሪቦም።

ኣቶ ታምሩ ነጋሳ ውላዶም ካሳ ታምሩ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሰላሌ ጨንፈር ኩዩ ሳልሳይ ዓመት ተማሃራይ ከምዝነበረ ሓቢሮም።ኣቶ ስሜነህ በላ እውን ደሃይ ወዶም መንእሰይ መለስ ስሜነህ ክሓቱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከይዶም ምሟቱ ከምዝተነገሮም ሓቢሮም።

ኣብቲ ጉዳይ ናይቲ ወረዳ ሓለፍቲ፣ናይ ኦሮሚያ ክልል ሰበስልጣንን ናይ ፌደራል ፖሊስ ሰበስልጣንን መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

XS
SM
MD
LG