ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝጀመረ ተቓውሞ ሎሚ'ውን ቀጺሉ ውዒሉ'ሎ


ድሕሪ ቅትለት ፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ደራፋይ ሃጫሉ ሁንደሳ ሎሚ `ውን ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ኦሮሚያ ተቓውሞታት ቀጺሉ ውዒሉ። በቲ ዝተወልዐ ተቓውሞ ብውሕዱ 52 ሰባት ክሞቱ ከለዉ ብርክት ዝበሉ ካልኦት ምቑሳሎም ኮሚሽነር ፖሊስ ኦሮሚያ ኣራርሳ መርዳሳ ኣፍሊጡ። ፖሊስ ኣባል ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ጃዋር መሓመድ ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ሰባት ምእሳሩ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ፥ ኣስከሬን ሃጫሉ ናብ ናይ ትውልዲ ዓዱ ከተማ ኣምቦ ኣብ ዝጉዓዘሉ ዝነበረ እዋን፥ ሓለውቲ ጃዋር መሓመድ ምስ ፖሊስ ከም ዝተጋጨውን፥ ካብ ሓለውቲ ጃዋር ብዝተተኮሰ ጥይት ሓደ ኣባል ፍሉይ ሓይሊ መንግስቲ ከም ዝተቐተለን ተፈሊጡ`ሎ። ምስዚን ካልኦት ጉዳያትን ብዝተተሓሓዘ ጃዋርን ሓሙሽተ ሓለውቱን ዝርከብዎም ካልኦት ሰባትን ብፖሊስ ከም ዝተኣሰሩ ተፈሊጡ`ሎ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብምኽንያት ቅትለት ሃጫሉ ሁንደሳ ንህዝቢ`ታ ሃገር ኣብ ዘስምዖ መደረ፥ ክቡር ህይወት ኢና ስኢና ብምባል ሓዘኑ ድሕሪ ምግላጽ ሃጫሉ ዝጀመሮ ቃልሲ ብገበርቲ እከይ ከምዘይተዓናቐፍ ከረጋግጸልኩም እፈቱ ኢሉ`ሎ።

ኣቦ-መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዳውድ ኢብሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ክዛረብ ከሎ ሰልፈኛታት ሕትኦም ብሰለማዊ መንገዲ ክገልጹ ዝጸውዐ ክኸውን ከሎ፡ መንግስቲ ድማ ነቲ ዝጸንሐ ጉዳይ ኣሳታፊ ብዝኾነ መንገድ ክፈትሖ ኣለዎ ኢሉ። ኣብታ ሃገር ካብ ዝካየድ ዝኾነ ጎንጺ`ውን ነብሱ ኣርሒቑ`ሎ። ኣተሓሒዙ ዕላማ ናይቲ ቅትለት ክርድኣና ኣይክኣለን፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘጋጩ ስራሕ ግን ክስራሕ የብሉን፡ መንግስቲ ንቀተልቲ ናብ ፍትሒ ንምምጻእ ናጻ ዝኾነ መርመራ ከካይድ ኢና ንሓትት ኢሉ።

ዛጊት ክልተ ሰባት ምስ ቅትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ብዝተተሓሓዘ ተታሒዞም ምህላዎም ዝገለጸ ፖሊስ፥ ኣቶ ጃዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባን ዝርከብዎም 35 ሰባት`ውን ከም ዝተኣስሩ ተሓቢሩ`ሎ።

ኣብኡ ንሃጫሉ ኣቶ ሁንደሳ ቦንሳ፥ ደም ወደይ ዘፍሰሱ ሰባት መንግስቲ ናብ ቅድሚ ሕጊ ከቕርበለይ እደሊ ኣለኹ ኢሎም። ድማጻዊ ሃጫሉ ናይ ሓደ ወርሒ ዝረከቦም ሰለስተ ዝፈትዎም ደቁ ገዲፉ`ዩ ከይዱ ክብሉ`ውን ብምረት ተዛሪቦም።

ብኻልእ ወገን ኣስከሬን ሃጫሉ ናብ መንበሪ ዓዱ ኣምቦ ንምውሳድ ኣብ ዝንበረ ጉዕዞ፥ ካልኦት ወገናት ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምውሳድ ኣብ ዝብል ብዝተፈጥረ ግጭት፥ ሸውዓተ ሰባት ሙሟቶምን 30 ካልኦት ምቑሳሎምን ፖሊስ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣቦ ሃጫሉን ኣሕዋቱን፡ ኣስከሬኑ ኣብ ናይ ትውልዲ ዓዱ ከተማ ኣምቦ ክዓርፍ ድልየቶም ምዃኑ ተዛሪቦም ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን "ሞት ድምጻዊ ሃጫሉ ነዛ ሃገር ልቢ ኣብ ዝሰብር ሓዘን ኣእትዩዋ” ዝበለ ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ኦሮሚያ ኣቶ ጌታቸው ባልቻ፥ ብሄር ምስ ብሄር ሃይማኖት ምስ ሃይማኖት ብምግጫው፥ ሃገር ናብ ህውከት ንክተምርሕ፥ ነቲ ቅትለት ካብ ምምራሕ ጀሚሮም፥ ድሕሪ `ቲ ቅትለት ድማ ኣስከሬኑ ብምንክልባት ሃገር ንምርባሽ ውዲት ናይ ዝኣለሙ ዝተወሃሃደ ኢድ ከም ዘሎ መንግስቲ ከም ዝኣምን ገሊጹ።

መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ብዝረኸቦ መረዳእታ 50 ንጹሓን ዜጋታት ብዝተፈላለየ መንገዲ ምቕታሎምን ንብረት ምዕናዉን ኣካል ምጉዳሉን`ውን ጠቒሱ`ሎ። ኣታሓሒዙ መንግስቲ ካብ ሎሚ ንድሓር ሃገር ክርበሽን ንጹሃን ክቕተሉን ትም ኢሉ ኣይክርእን`ዩ ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፥ ናይ ሃጫሉ ሞት ናይ ምልእቲ ሃገር ሓዘን ብምዃኑ ምፍናዉ ብሰለማዊ መንገዲ ክኸውን ሓቲቱ`ሎ።

ብኻልእ ዜና ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብዝተወሰኑ ሰባት መጥቃዕቲ ከምዝወረዶ ምክትል ኣምባሳደር ኣበቢ ደምሴ ካብቲ ቦታ ንንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ። ንሱ ኣብ መንግለጺኡ፥ ብሞት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንደሳ ዝተቖጥዑ ሓጻውን ተቓጻላን ነገራትን ዝሓዙ ዝበልዎም 50 ዝኾኑ መንእሰያት ነቲ ኤምባሲ ምውራሮምን ንባንዴራ ኢትዮጵያ ኣውሪዶም ካልእ ባንዴራ ምስቃሎምን፥ ንሓደ ክወጽእ ዝረኸብዎ ተገልጋላይ ከምዝሃረምዎን፥ ማዕጾ ብሓይሊ ስይሮም ክኣትዉ ምፍታኖምን መስኮት ምስባሮምን ገሊጹ። ። ድሕሪ`ዚ ኣባላት ፖሊስ እንግሊዝ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ኣድላይ ዝበልዎም መረዳእታታት ምእካቦም ኣምባሳደር ኣባቢ ደምሴ ወሲኹ ሓቢሩ`ሎ።

ኣብ ዝተፈላየያ ከተማታት ኦሮሚያ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ከምዝወዓለን ህይወት ሰብ ከም ዝሓለፈን ንብረት ከምዝዓነወን ንምንጭታት ብምጥቃስ ዝጸብጸበት ወኪልና ጸሃይ ዳምጠው፥ ከተማ ኣዲስ ኣበባ`ውን ሎሚ ብዙሕ ምንቅስቓሳት ከምዘይርኣያ ሓቢራ`ላ።

ናብዚ ኢትዮጵያ እትርከበሉ ዘላ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ዓበይቲ መድረኻት ሓያል ፖለቲካዊ ደርፍታት ኣፋን ኦሮሞ ብምቕራብ ዝፍለጥ ወዲ 30 ዓመት ሃጫሉ ሁንደሳ፥ ቅድሚ ትማሊ ሰኑይ ብመኪና ኣብ ሓደ ቦታ ድሕሪ ምኻዱ፥ ጉዳዩ ጌሩ ናብ መኪንኡ ክምለስ ከሎ ክከታተልዎ ብዝጸንሑ ሰባት ብጥይት ተሃሪሙ ከምዝሞተ ኮሚሽን ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ`ሎ።

ምስቲ ቅትለት ብዝተሓሓዝ ብኡ ንብኡ ክልተ ሰባት ኣብ ቁጽጽር ከምዘእተወ ዝገለጸ ፖሊስ፥ ድሕሪኡ ብዛዕባ ዝተወስደ ናይ ምጽራይ ኮነ ናይ ቤት ፍርዲ መስርሕ ዝሃቦ ሓዲሽ ሓበሬታ የለን። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሁማንራይትስ ዋችን`ውን ብግዲኦም ተሓተቲ ናብ ፍትሒ ክቐርቡ ጸዊዖም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG