ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተአወጀ ሰዓታት እቶ እቶ ምልዓሉ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ብዝተኣሳሰር ኣብ ክልል ኦሮምያ ይትግበር ዝጸንሐ ገደብ ሰዓት ሕላፍ ከምዝተላዕለ ዓቃቢ ሕጊ’ቲ ክልል ወ/ሮ ኣዱኛ ኣሕመድ ኣፍሊጠን።

ዋና ዓቃቢ ሕጊ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ እቲ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተተግበረ ገደብ ኣብ ልዕሊ ምንቅስቃስ ዝተላዓለ፣ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ’ታ ሃገር ኣሉታዊ ሳዕቤን ስለዘሕደረ እዩ ይብል ።

እቲ ሓድሽ መምርሒ ኣብ’ቲ ኣዋጅ ዝተጠቀሱ መለለዪ መንነት ሒዝካ ምንቅስቃስ፣ ብረት ምምዝጋብ፣ ንፍተሻ ምትሕብባር፣ ንከባቢኻ ብንቅሓት ምሕላውን ካልኦትን ግና ክቅጽሉ እዮም ይብል ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ "ዝእሰሩ ሰባት ዝተሓዝሉ ኩነታት ከምዘተሓሳስቦ ከምዝገለጸ' ዝዝከር እዩ። ወ/ሮ ኣዱኛ ብዛዕባ'ዚ "ሰባት ክታሓዙ ከለው፣ ነኣሽቱ ጸገማት ከጋጥሙ ይኽእሉ እዮም፣ እንተኾነ ነዚ ጸገም’ዚ ንምፍታሕ ኣብ’ቲ ክልል ኣገባብ ተዘርጊሕሉ እዩ’ ምባለን ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG