ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተላዕለ ጎንጺ ምርግጋኡ ሚ/ምክልካል ኣፍሊጡ


ሜጀር ጀነራል መሃመድ ተሰማ
ሜጀር ጀነራል መሃመድ ተሰማ

ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ተፈጢሩ ዝነበረ ጸገም ጸጥታ ናብ ምርግጋእ ከምዝተመልሰ ሚንስትሪ ምክልካል ኣፍሊጡ።

ኣብ ሰራዊት ምክልካል ኢትዮጵያ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሜጀር ጀነራል መሃመድ ተሰማ ከምዝበልዎ ብመሰረት ካብቲ ክልል ዝቐረበሎም ሕቶን ካብ ፈደራል መንግስቲ ብዝተዋህበ ትእዛዝን ሰራዊት ተልእኽኡ ክፍጽም'ዩ ኢሎም።

ብካልእ ዜና ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣፋን ኦሮሞ ሙኽታር ጀማል ትማሊ ኣብ ከተማ አዳማ ኣብ ስራሕ ከሎ ብጉጅለ መንእሰያት ተሃሪሙ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ሕክምና ይርከብ።

ድሕሪ'ቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተራእየ ጎንጺ ንፈለማ ጊዜ መግለጺ ዝሃቡ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሚንስትሪ ምክልካል ሜጀር ጀነራል መሃመድ ተሰማ ሰላማዊ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቃስ;ዩ ናብ ጎነጺ ዘምርሓ ኢሎም።


ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተላዕለ ጎንጺ ምርግጋኡ ሚ/ምክልካል ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:38 0:00


XS
SM
MD
LG