ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተላዕለ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት መጥቓዕቲ ምፍጻሙ ኮሚሽን ፖሊስ'ቲ ክልል ኣፍሊጡ


Oromia region, Ethiopia
Oromia region, Ethiopia

ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሞት ፍሉጥ ደራፋይ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝሰዓበ ጎንጺ፥ ኣብ ኦሮሚያ ካብ ዘለዋ 320 ወረዳታት ኣብ 40 ወረዳታት ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ውልቀ-ሰባት መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ጀነራል ኣራርሳ መርዶሳ ሓቢሩ። ዛጊት 11 ኣባላት ጸጥታ ዝርከብዎም 155 ሰባት ከምዝሞቱ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ። ኣብ ገሊኡ ከባብታት ሓደ ብሄር ዒላማ ዝኾነሉ ተርእዮ እንተነበረ`ኳ ኣብ ካልእ ከባብታት ድማ ዝተፈላለዩ ብሄረ-ሰባት ዒላማ ዝኾንሉ ከም ዝነበረ`ውን ጠቒሱ`ሎ፥

​ብመሰረት ሓበሬታ ነበርትን ሰበ-ስልጣንን ድሕሪ ሞት ስነ-ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተላዕለ ተቓውሞ ቀልጢፉ`ዩ ናብ መጥቃዕቲ ውልቀሰባት ተቐይሩ። ንጹሃን ዜጋታት ተጠቒዖምን፥ ተቐቲሎምን፥ ከምኡ`ውን ንብረቶም ዓንዩ።

ኮሚሽነር ፖሊስ ኦሮሚያ ጀነራል ኣራርሳ መርዶሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ከም ዝሓበሮ፥ እቲ መጥቃዕቲ ፥ ኣብቲ ክልል ካብ ዘለዋ 320 ወረዳታት ኣብ 40 ተፈጺሙ`ሎ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ 155 ሰባት ከም ዝሞቱ` ካብኣቶም እቶም 11 ኣባላት ጸጥታ ምዃኖም`ውን ኣረጋጊጹ`ሎ። እቲ መጥቃዕቲ ብኣባትር፥ ብእምኒ ብጎዘሞን ብቦምባታትን ከምዝተፈጸመ ዝገለጸ ኮሚሽነር ፖሊስ፥ ኣብ ገለ ከባብታት ዝተወሰኑ ኣባላት ብሄረሰብ ዒላማ ከም ዝኾኑ፥ ኣብ ካልኦት ድማ ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ዒላማ ከም ዝኾኑ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ድማ፥ ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ድማ ዝተፈላለዩ ብሄረ-ሰባት`ዮም ዒላማ ኮይኖም ኔሮም ኢሉ።

ብሓፈሽኡ ግን ኢሉ እቲ ፖሊስ ኮሚሽነር ፥ ንጹሃን ሓረስቶትን ተራ ዜጋታትን`ዮም ዒላም ኮይኖምን ተቐቲሎምን። በቲ መጥቃዕቲ ብዙሓት ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተዉን ነቲ ገበን ንምጽራይ መርመራታት ይቕጽል ከምዘሎን`ውን ኣፍሊጡ`ሎ።

ብኻልእ ወገን፥ መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ መራራ ጉዲና፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ምኽትል ኣቦ-መንበሩ በቀለ ገርባ፥ ጸሓፊኡ ደጀኔ ጣፋን ኣባል ፓርቶም ጃዋር መሃመድን፥ ምስ ቤተሰቦም ከምዝራኸቡ ሓቢሩ እንተኾነ ብጠበቓታቶም ክብጽሑ ከምዘይተፈቐደሎም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ። ዶ/ር መራራ ኣብቲ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ፥ መንግስቲ ነዛ ሃገር ንምርግጋእ ሃገራዊ ዕርቂ ከምጽእ ኣለዎ ክብል ሓቲቱ`ሎ።

ከምኡ`ውን ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣቦ-መንበር ባልዳራስ ዝተባህለ ፓርቲ ኣቶ እስክንድር ነጋን ካልኦት ኣባላቶምን፡ ከምኡ`ውን ኣቦ-መንበር ሃገር-ለኸ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያውያን ዝተባህለ ፓርቲ ኣቶ ይልቃል ጌትነት፥ ጠበቓኦም ከዘራርቦም ከምዘይክኣለ፥ ኣባላት መሪሕነት`ቲ ፓርቲን ጠበቓታቶምን ኣፍሊጦም ኣለዉ። ንከዘራርብዎም`ውን ሓቲቶም ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ኣብ ዝርከባ ገለ ከተማታት ዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ኦሮሞ፥ ቀተልቲ ኣርቲስት ሃጫሉ ተጻርዮም ናብ ፍርዲ ክቐርቡ፥ ምምሕዳር ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ክወርድ ዝጽውዑ ሰልፍታት ይካየዱ`ለዉ።

ካብ መንጎ`ቶም ኣተሓባበርቲ ሰልፍታት ንድምጺ ኣሜሪካ ክገልጹ ከለዉ፥ ህይወት ደቂሰባት ዝቐዝፉ ተግባራት ብውጋዝ፥ ብቪድዮ ዝመሓላለፉ ጽልኢ ዝሓዘሉ መልእኽትታት ናይቶም ውልቀሰባት`ምበር ንህዝቢ ኦሮሞ ዝውክሉ ኣይኮኑን ኢሎም ኣለዉ።

ብኻልእ ዝተኣሳሰር ዜና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዳኒኤል በቀለ፡ ተኣሲሮም ዘለዉ እስክንድር ነጋን ሪፖርተር ኦሮሞ መዲያ ኔትወርክ ሸመስዲን ጣሃን ኣብ ዝተታሕዘሉ እዋን ማህረምቲ ከምዝተፈጸሞም ፖሊስ ኣረጋጊጹልና ኣሎ ኢሉ። እንተኾነ እቲ ጉድኣት ፈኩስ ምዃኑ ፖሊስ ከምዝሓበሮ ገሊጹ`ሎ። ኮሚሽነር ዳኒኤል ንንድምጺ ኣሜሪካ ክገልጽ ከሎ፥ ኣብ`ዚ ቀረባ ምስ ዝተኣስሩ እስክንድር ነጋ፥ በቀለ ገርባ፥ ከምኡ`ውን ምስ ጃዋር መሓመድ ከምዝተዘራረበ ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG