ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘጋጠመ ግጭት ኣብ ሰብ ጉድኣት ምውራዱ ተገሊጹ


ክልል ኦሮምያ
ክልል ኦሮምያ

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ከባቢ ከረዩ ኣብ መንጎ ፍሉይ ሓይልን ናይቲ ክልል ሰበስልጣንን ሸኔ ኢሎም ዝፅውዕዎ ንባዕሎም ግን ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ኢሎም ዝፅውዑ ዕጡቓት ኣብዚ ሰሙን ብዝተፈጥረ ግጭት ኣብ ልዕሊ ህይወትን ኣካልን ጉድኣት ምውራዱ ተገሊፁ።

ኣብ ፈንታሌ ንዘጋጠመ ቅትለት ናይ ከረዩ ኣባ ገዳ ኣቶ ከዲር ሃዋስ ቦሩ ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ዕጡቓትንን ንነሕድ ሕዶም ይካሰሱ ኣለው።

ናይቲ ክልል መንግስቲ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ "ዕጡቓት ሸኔን ህወሓትን ናይ መንግስቲ ሓይልታት ክዳን ተኸዲኖም መጥቓዕቲ ይፍፅሙ ኣለው’’ክብል ከሲሱ።

ሓፍቶም ነቶም ኣባገዳ ምዃነን ዝገለፃ ወይዘሮ ወርቄ ሃዋስ ሓወን ዝሓለፈ ረቡዕ ንናይ ገዳ ስነስርዓት ብዙሕ ሰብ ኣብ ዝተኣከበሉ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ናይ ኦሮሚያ ፍሉይ ሓይልን ፖሊስን ተኸዲኖም መጺኦም ከምዝወሰዱዎም ገሊፀን።ኣብ ገዛ ዝነበሩ ደቂ ተባዕቲዮ እውን ሒዞምዎ ከምዝኸዱን ካብኣቶም ክልተ ጥራሕ ከምዝተመለሱን ገሊፀን።

ነባራይ ወረዳ ፈንተሌ ምዃኖም ዝገለፁ ኣቶ ድልቦ ኣባ ገዳ ከዲርን ካልኦት ሰባትን ኣብ ሃሮ ቆርሳ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተወሲዶም ከምዝተቐትሉ ከምዝፈልጡ ተዛሪቦም።

ብዛዕባ እቲ ዝተፈጥረ ኩነታትን ቅትለት ኣባገዳን መግለፂ ዘውፅአ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ፈጻሚ ቲ ቅትለት ሸኔ እዩ ክብል ኸሲሱ ኣሎ ።

XS
SM
MD
LG