ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘተ ሰላም ክካየድ ዝሓተቱ አባላት ፓርላማ ምስ ሰብ-መዚ ክልልን ፈደራልን ተዘራሪቦም


ፋይል - ፓርላማ ኢትዮጵያ
ፋይል - ፓርላማ ኢትዮጵያ

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘተ ሰላም ንክካየድ ዝሓተቱ ኣባላት ፓርላማ ኢትዮጵያ ምስ ሰበስልጣን ክልልን ፌደራልን ይዘራረቡ ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ፀገም ፀጥታ መንግስቲ ብልዝብ ክፈትሖ ክሓቱ ዝፀንሑ ንኦሮሚያ ዝወከሉ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ትማሊ ሰሉስ 27 ታሕሳስ 2022 ምስ ኣካላት ፈፅምቲ ስራሕ ምዝርራቦም ተፈሊጡ።ኣብቲ ዝርርብ ዝተሳተፉ ኣቶ ቶላ ሃይሉ ንድምፂ ኣመሪካ ከምዝገለፁዎ ኣብቲ ናይ ትማሊ ዝርርብ ናይ ክልል ኦሮሚያ ፕሬዝዳንት ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ሓዊሱ ካልኦት ሰበስልጣን ፌደራል መንግስቲ ተዓዲሞም ኣብቲ ክልል ዘሎ ቅልውላው ዝፍተሐሉ መገዲ ምዝርራቦም ሓቢሮም።

ብኻልእ ወገን ንተመዛበልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ዘብፅሑ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ወኪል ዝኾኑ ሕጂ እውን በቲ ግጭት ዝተመዛበሉ ህፁፅ ሓገዝ ከምዘድልዮም ተዛሪቦም።

XS
SM
MD
LG