ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ክልል ኦሮምያ ካብ ኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ወፃኢ ካልእ ዕጡቕ ኣይህሉን' ም/ፕረዚደንት'ቲ ክልል


ምኽትል ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ
ምኽትል ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ

ምኽትል ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝጅምር ሓድሽ ዓመት 2012 ፀገማት ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ብዝበለፀ ምውዳድ ከምዝስራሕ ገሊፆም።ናይቲ ክልል ሰላም ንምርግጋፅ ኣብ 2012 ካብ ኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ወፃኢ ካልእ ዕጡቕ ኣይህሉን ኢሎም።

ኣባል ኣመራርሓ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኣቶ ሙላቱ ገመቹ ግን እቲ መግለፂ ልሙድን መፍትሒ ዘየቐመጠን እዩ ክብሉ ርእይትኦም ሂቦም ኣለው።

ምኽትል ፕረዚደንት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2011 ዓ/ም ዝተሰርሑን ኣብ 2012 ዓ/ም ብዛዕባ ዝስርሑን ስርሓት ዝምልከት መግለጺ ንመራኸቢ ብዙሃን’ታ ሃገር ሂቦም።

ነበርቲ ናይቲ ክልል ምስ ጎረባብቲ ክልላት ብሰላምን ብምትሕብባርን ንኽነብሩ ምስ ካልኦት ክልላት ሰፊሕ ስራሕ ተሰሪሑ ኣሎ ኢሎም።ኣብ 2011 ዓ/ም ካብ ዝተሰርሑ ክጠቕሱ ከለው “ፖለቲካዊ ባይታ ንምስፋሕን ኩሎም ፖለቲካዊ ፓርትታት ብዘይደረት ኣብ ክልል ክንቀሳቐሱ፣መሰሎም ንክኽበር፣ንኽሳተፉ ምግባር ተሰሪሑ እዩ።ካብ ወፃኢ ዝኣተው ፖለቲካዊ ፓርትታት እውን ሓድሽ ፖለቲካዊ ባህሊ ክጅምሩ ዘክእሎም ሰፋሕቲ ስርሓት ተሰሪሖም እዮም።”

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝለዓለ ፈተና ኣብ ዝነበረ ፀጥታን ሰናይ ምሕደራን ከምዝተሰርሑ ብምሕባር ኣብ 2012 ካብ ናይ መንግስቲ ሓይሊ ጸጥታ ወፃኢ ዝኾነ ይኹን ዕጡቕ ሓይሊ ኣብቲ ክልል ኣይንቀሳቐስን ኢሎም።

ብኣቶ ዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ናይ ኦነግ ጉጅለ ብናይቲ ክልል መንግስቲ፣ብኣባ ገዳ፣ብሽማግለታት ዓድን ፍሉጣት ሰባትን ሰፊሕ ፃዕሪ ተገይሩ ብዙሕ ሰብ ናብ ዝመረፆ ሰላማዊ ናብራ ንኽምለስ ዝለዓለ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣቶ ሽመልስ ገሊፆም።ካብዚ ወፃኢ ግን ኢሎም ንሶም “ካብዚ ወፃኢ ብዛዕባ ዘቕበፀ ሓይሊ ምስኒ ኣቶ ዳውድ ዝለዓለ ዝርርብ ኣካይድና ንሳቶም እዚ ተዓጢቑ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ጉጅለ ንሕና እንመርሖ ኣይኮነን፤ጉጅለ ሽፋቱ እዩ ኢሎም መርገፂ ወሲዶም ምስ ወሰኑ ምስ ፌደራላዊ መንግስቲ ተዋዲድና ኣብ ምዕራብን ደቡብ ኦሮሚያ ሕጊ ናይ ምኽባር ሰፊሕ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ”ኢሎም።

ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ወሲኾም ንዜጋታት ተጠቀምቲ ኣብ ዝገብር ስርሓት ልምዓት ናይቲ ክልል መንግስቲ ሰፊሕ ስራሕ ከምዝሰርሐን ዝተጀመሩ ቁጠባዊ ምምሕያሻት ብምቕፃል ብዝሒ ሸቕሊ ኣልቦ ንምንካይ ኣብ ዝቕፅል 2012 ብትኹረት ክስራሕ እዩ ኢሎም ።

ብዛዕባ እቲ መግለፂ ርእይቶኦም ክህቡ ዝተሓተቱ ምኽትል ኣቦ መንበር ናይ ኦሮሞ ፌደራላዊ ኮንግረስ ኣቶ ሙላቱ ገመቹ እቲ መግለፂ ቅድሚ ሎሚ ኢህወዴግ የውፅኦም ካብዝነበሩ ልሙዳት መግለፅታት ዝተፈለየ ኣይኮነን ኢሎም።

“ኢህወዴግ ዝዛረቦን ዝሰርሖን ዝተፈላልየ እዩ።ንኣብነት ብዛዕባ ሰላም ይዛረብ። ህዝቢ ሰላም ከይረክብ፣ፀገም ንኽፍጠር፣ፈቐዱኡ ናይ ዜጋታት መሰል ኣብ ዘይተኸበረሉ እዞም ኩሎም ኣብ ዘይተርኣየሉን ዴሞክራሲ ኣብ ዘይሰፈነሉን ኩነታት ይህቡዎ ዘለው መግለፂ፣ቅድሚ ሎሚ እውን ንፈልጦም ስለዝኾነ ካብ ዝነበረና ተመኩሮ ተበጊስና ዝተፈለየ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን።”

ኣቶ ሙላቱ ወሲኾም ፌደራሊዝም ብግብሪ ዘይርኣና ህዝብታት ስለዝኾንና ፀገምና ዝፍታሕ ተቐራሪብና ኮፍ ኢልና እንተተዘራሪብና ጥራሕ እዩ እዩ ኢሎም ።


XS
SM
MD
LG