ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብዝተላዕለ ህውከት ቁጽሪ ዝሞቱ ከምዘይወሰኸ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ለንቅነ ብዝተወልዐ ህውከት ብውሑዱ 167 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ። ክልላዊ መንግስቲ ትማሊ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፥ ካብ መንጎ`ቶም ዝተቐተሉ ትሸዓተኣባላት ፖሊስ፥ ሓሙሽተ ድማ ሚሊሻ ከም ዝኾኑ ሓቢሩ`ሎ። ኣካላት ጸጥታ`ቲ ኽልል 3,100 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምእተው ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ብመሰረት ሓበሬታ ፈደራል ፖሊስ ቁጽሪ ዝሞቱ ድሕሪ ትማሊ ኣይወሰኸን፥ ቁጽሪ ዝተኣሰሩ ግን ወሲኹ`ሎ። ሓላፊ ፈደራል ፖሊስ ኮሚሽን ኣቶ ጄይላን ኣብዲ፥ ብዛዕባ ዳሕራዋይ ሪፖርት ክገልጽ ከሎ፥ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ዝተመዝገበ ቁጽሪ 167 ሰባት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተላዕለ ህውከት ከም ዝሞቱ ኣረጋጊጹ`ሎ። እቲ ወሃቢ-ቓል ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ 10 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ`ሎ ይብል ።

ብዘይካ`ቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ፥ ዝቖሰሉ ብድምር 229 ከም ዝተመዝገቡ ኣፍሊጡ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ሎሚ ናይ ክልል ኦሮሚያ ተተካኢ ኮሚሽነር ፖሊስ ሙስጠፋ ከድር፡ ብድምር 239 ከም ዝተቐተሉ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ዝገለጾ- ድሕሪኡ ናብ ካልኦት ዓለም-ለኸ ሚድያታት ዝተበተነ ዜና ብጌጋ ምዃኑ`ውን ኣቶ ጄይላ ኣብዲ ኣፍሊጡ`ሎ።

ብኻልእ ወገን፥ ሎሚ ዝተወሰኸ ሓዲሽ ቁጽሪ ሞት ከም ዘየለ ኣብ ዝሕበረሉ ዘሎ እዋን፥ ድሕሪ`ቲ ህውከት ብፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ብዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ፥ ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ዝግበር ማእሰርቲ ወሲኹ ውዒሉ`ሎ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምስ ናይ ሎሚ ወሲኽካ 3,100 ክእሰሩ ከለዉ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ 1,600 ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ፖሊስ ኣረጋጊጹ`ሎ።

ወሃቢ-ቃል ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ካብቲ ቁጽሪ ንላዕሊ ግን ነቲ ዘሎ መረዳእታታት ናይ ምምርማር ስራሕ ተጀሚሩ ከም ዘሎ፥ ምጽራይ ኣብ ዝተገብረሉ እዋን ድማ ንህዝቢ ብዕሊ ክነፍልጥ ኢና ኢሉ`ሎ ።

ብኻልእ ወገን በቲ መጥቃዕቲ ኣባላት ቤተሰቦም ዝሰኣኑ፥ ኣብ ዝዋይ ድግዳ ዝረከቡ ዜጋታት፥ ከምኡ`ውን ንብረቶም ዝተቓጸሎም ኢትዮጵያውያን ብዘይ ዝኾነ ረድኤት ኣብ መደበር ፖሊስ ተዓቑብና ንርከብ ኣለና ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ኣለዉ።

ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣቶ ጌታቸው ባልቻን ወሃቢ-ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁንን ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት በብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ነቲ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ህውከት ንምትኹቷኽን ኣብ መንጎ ክልተ ብሄረሰባት ግጭት ንምልዕዓልን፥ ከምኡ`ውን ንምልእቲ`ዛ ሃገር ንምዝራግ ዘንቀዱ ወገናት`ዮም ኢሎም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG