ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ስርሓት ህንጸት ጽርግያ ተዋፊሮም ዝነበሩ 9 ሰባት ብዕጡቓት ምቕታሎም ተገሊጹ


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ሜታ ወልቂጤ ኣብ ስራሕ መንገዲ ዝተዋፈሩ ትሽዓተ ሰባት ብዕጡቓት ምቕታሎም ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ቶ ድሪርሳ ዋቁማ ገሊጾም። እቶም ኣማሓዳሪ "ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈፀሙዎ ዕጡቓት ሸኔ እዮም" ምስ በሉ "እቲ ጉጅለ ተስፋ እናቖረፀ ስለዝኾነ እዩ ነዚ ተግባር ዝፍፅም ዘሎ’’ ኢሎም።እቲ መጥቓዕቲ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ከምዝተፈፀመ'ውን ሓቢሮም።

መንግስቲ ‘’ሸኔ’’እናበለ ዝፅውዖምን ንገዛእርእሶም"ናይ ኦሮሞ ነፃነት ሰራዊት’’ኢሎም ዝፅውዑን ደባይ ተዋጋእቲ ወሃቢ ቃል ዞባ ምዕራብ ቢሊሱማ ጉታ "ነቲ ቅትለት ኣይፈፀምናን፤ኣብ መሰረተ ልምዓት ዝሰርሑ ሰባት ምቕታል ንርእሱ ገበን እዩ’'ክብሉ ኣሉታ ሂቦምሉ።መራሕቲ ናይቶም ደባይ ተዋጋእቲ ኣብታ ሃገር ይርኣዩ ንዘለው ፀገማት ተሓታቲ መንግስቲ እዩ ክብሉ ንዝቐርቦም ክሲ ክምልሱ ፀኒሖም እዮም።

እቶም ዋና ኣማሓዳር ናይቲ ዞባ እቶም ዝተቐትሉ ሸሞንተ ሰራሕተኛታትን ሓንቲ መግቢ እተቕርበሎም ጓል ኣንስተይትን በመኪና እናተጉዓዙ ከለው እዮም ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG