ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ አካቢ ሕብረት ኣባገዳታት ምቕታሎም ኣመሓዳሪ'ቲ ወረዳ ሓቢሮም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ወረዳ ጅማ ኦርጆ ኣካቢ ሕብረት ኣባ ገዳታት ማለት ባህላውያን መራሕቲ ዝኾኑ ኣባ ገዳ ራሻ ማርቆስ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብዕጡቃት ተቀቲሎም ክብሉ ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ንሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ መንበሪ ገዛ'ቶም ኣካቢ ሕብረት ኣባገዳታት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ: ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ መንግስቲ 'ሸኔ' ኢሉ ዝጽውዖም ንሳቶም ግን ንገዛእ ርእሶም ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሎም ዝጽውዑ ዕጡቃት እዮም ዝበሉ ኣባገዳታት ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ልዝብ ይግበር ክብሉ ሓቲቶም'ለዉ።

ወሃቢ ቃል'ቶም ዕጡቃት ምኻኖም ዝገልጹ ውልቀ ሰባት ግን ነቲ ክሲ ነጺጎሞ'ለዉ።

XS
SM
MD
LG