አዳማ —
ኣብ ክልል ኦሮምያ ንጸጥታን ደሕንነትን ዝፈታትን ምንቅስቃሳት ከምዝተራእየ ኮሚሽን ፖሊስ’ቲ ክልል ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮምያ ከፍያለው ተፈራ ኣብቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ አዲስ አበባ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራን አዲስ አበባን ዝተገብረ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ’ዩ ዝተባህለ ፍጻመ ክሳብ ምምሕዳራዊ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ሱሩ ዝናዋሕ’ዩ ኔሩ ኢሎም።
ድሕሪ’ቲ ምንቅስቃስ ተጠርጠርቲ ከምዝተአሰሩ ዝገለጹ’ቶም ኮሚሽነር እቲ ከይዲ ይጻረ’ሎ እውን ኢሎም።