ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ናይ ረድኤት መግቢ ብምጥፍፋእ ዝተጠርጠሩ 54 ሰብ-መዚ ክሲ ተመስሪትዎም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ንናይ ረድኤት መግቢ ብምጥፍፋእ ዝተጠርጠሩ 54 ሰብ-መዚ ተኸሲሶም።

ናይቲ ክልል ኣመራርሓ ሰራሕ ኮሚሽን ሓደጋ ስግኣት ብሓድሽ አፀዋውዑኡ ቦሳ ጎኖፋ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብቲ ክልል ንተሓገዝቲ ክወሃብ ዝነበረ ረድኤት ኣብ ልዕሊ ዘጠፋፍኡ ሰበ-ስልጣናት ስጉምቲ ከምዝወሰደ ገሊፁ’ሎ።

ናይ ክልል ኦሮምያ ምኽትል ሓላፊ ቦሳ ጎኖፋ ኣቶ ገረሙ ኦልቃ ዛጊት 54 ሰብ-መዚ ኣብ ቤት-ፍርዲ ክሲ ከምዝተመስረቶምን፡ ፖሊስን ዓቃቢ ሕግን ነቲ ጉዳይ የጻርይዎ ከምዘለውን ብመሰረት መርትዖን መርመራን ድማ ብይን ከም ዝወሃብ’ውን ገሊፆም።

ኣብዚ እዋን ኣብቲ ክልል 2.5 ሚልዮን ሰባት ረድኤት ዝፅበዩ ምንባሮም'ውን ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG