ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምብራቕ ጉጂ ወረዳ ጎራ ብዝተፈጥረ ግጭት 7 ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምብራቕ ጉጂ ወረዳ ጎራ ዶላ ከባቢ ሙጮ ትማሊ ሶኑይ ብዝተፈጥረ ግጭት ሓደ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ሓዊሱ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ገሊፆም።እቲ ወታሃደር ዝተቐትለ ኣብቲ ከባቢ ብዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኮይኑ እቶም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ድማ ንሽዱሽተ ሰባት ከምዝቐተሉ ነበርቲ ገሊፆም።

ምምሕዳር ወረዳ ጎሮ ዶላ እውን ሸውዓተ ሰባት ምሟቶም ኣረጋጊፁ’ሎ።መንቀሊ ናይቲ ግጭት ኣብቲ ከባቢ ብሽም ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ብዝወሰዱዎ ስጉምቲ ምዃኑ ብምግላፅ ብዛዕባ ዝተቐትሉ ሰባት ድማ ምርመራ ይካይድ ከምዘሎ እቲ ምምሕዳር ሓቢሩ’ሎ።

ነበርቲ ናይቲ ከባቢ እቲ ውጥሪ ሕጂ እውን ከምዝቐፀለ ክገልፁ ከለው ናይቲ ወረዳ ምምሕዳር ግን ዘተሓሳስብ ነገር የለን ይብል።

XS
SM
MD
LG