ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜን ወሎ ኲናት ጽዒቑ ምውዓሉ ነበርቲ ከባቢ ሓቢሮም


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜን ወሎ ሎሚ መዓልቲ ኲናት ጽዒቑ ምውዓሉ ነበርቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ኣብ ግንባር ራያ ኣብ ከባቢ ጎብዬ ከቢድ ውግእ ምህላዉ ንድምጺ ኣመሪካ ርእይትኦም ዝሃቡ ይገልጹ`ለዉ።

ብዛዕባ`ቲ ኲናት ካብ ወገን መንግስቲ ኮነ ካብ ህወሓት ዝተዋህበ ርእይቶ ነገር የለን።

እንተኾነ ወሃቢ ቓል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ኤርትራ ንክልል ትግራይ ንምውጋእ ብሸነኽ ክልል ዓፋር ከባቢ በርሃሌ ሓሙሽተ ክፍለ-ጦር ኣሰሊፋ፡ ሰራዊት ህወሓት ግን ብዕዉት ኣምኪንዎ`ሎ ኢሉ። ብዛዕባ`ዚ ኣቶ ጌታቸው ዝበሎ ካብ ኤርትራ ኮነ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ምላሽ የለን።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ምጅማርን ምስፋሕን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ሓደ ነቲ ሓደ ተሓታቲ ምግባሮም ቀጺሎም ኣለዉ። ኲናት ደው ኢሉ ዘተ ሰላም ክጅምር ብዝተፈላለዩ ዓለም-ለኸ ትካላት ዝግበር ጻዕሪ ዛጊት እዚ ዝብሃል ፍረ ኣየፍረየን።

XS
SM
MD
LG