ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኻየዱ ሰልፊታት ሎሚ'ውን ትካላት ንግዲ ብምዕጻው ቀጺሎም ምውዓሎም ተሓቢሩ


ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ በብከባቢኡ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎ ቅትለትን መጥቓዕታትን ዝኹንኑን ፍትሒ ዝሓቱን ሰልፍታት ሎሚ ረቡዕ'ውን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ከምዝቐፀለ ተፈሊጡ።

ኣብ ከተማ ባህርዳር ካልኣይ መዓልቱ ዝሓዘ ኣብዚ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ትካላት ንግዲ ዕፅዋት ክኾኑ ከለው ምንቅስቓሳት ናይ ምድራት ኣድማ እውን ተኻይዱ ኣሎ።

ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ትማሊ ብዝሃቦ መግለፂ ኣድማ ምዕፃው ትካላት ንግዲ ዘዋፅእ ናይ ተቓውሞ ስልቲ ኣይኮነን ምባሉ ይዝከር።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG