ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝረአ ስግኣት ጸጥታ ንምቁጽጻር ሓድሽ መሓውር ምምስራቱ ኮሚሽን ፖሊስ’ቲ ክልል ሓቢሩ


ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ዝርአ ስግኣት ፀጥታ ንምቁፅፃር መሓውሩ የመሓይሽ ከምዘሎ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ገሊፁ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ወራር ይፍፀም፣ ኣብ ምሸት ድማ ድምፂ ቶኽሲ ጠያይቲ ይስማዕ ብሓፈሻ ምዝራግ ሰላም ከምዝርኣይ ፖሊስ ሓቢሩ።

ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣብ ስግኣት ምውዳቖምን ልዕልነት ሕጊ ክሰፍን ብተደጋጋሚ ንመንግስቲ ክሓቱ ፀኒሖም እዮም ዝበለ ኮምሽን ፖሊስ’ቲ ክልል እዚ ሓዱሽ መሓውር ፖሊስ ዝተፈጥረ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ኣበረ ኣዳሙ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG