ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዑደት ዝፈጸሙ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝተፈላአልዩ ፕሮጀክታት መሪቖም


ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዑደት ዝፈጸሙ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝተሃነጹ ፕሮጀክታት ከምዝመረቁ ተገሊጹ።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ፣ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ደብረ ማርቆስ ብልዕሊ ሓሙሽተ ቢልዮን ቅርሺ ንዝተሰርሐን ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 1.35 ቢልዮን ሊትሮ ዘይቲ ዘፍሪ ፋብሪካ መሪቆም ኣለው።

እቶም ቀ/ሚ ኢትዮጵያዊያን ሓድነቶም ንክሕልው ኣተሓሳሲቦም። ዜጋታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ካብ ዝፍነው ኣዕናዊ ዝበልዎ መልእኽታት ንርእሶም ንክሕልው’ውን ጸዊዖም።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ እቶም ቀ/ሚ ዝነበሮም መደባት ምርቃ ፕሮጀክታት "ናይ ምርጫ መበራበሪ ኮይኑ ኣሎ" ኢሎም ዝወቀሱ ሰባት ኣለው። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ግና "ንወፍሪ ምርጫ ተባሂሉ ዝዕየ ስራሕ የለን" ይብሉ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ብሄራዊ ምንቅስቃስ ኣምሓራ፣ ፕሮግራሙ ንነበርቲ ባህርዳር ትማሊ ኣፋሊጡ።

እቲ ፓርቲ፣ ናይ ኢትዮጵያ ሃገረ መንግስቲ ዘይቅበሉ ምስ ዝብሎም ሓይልታት ሓቢሩ ከምዘይሰርሕ ገሊጹ።

ኣብን 154 ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ፣ ናብ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ድማ 359 ሕጹያት ከምዘቅርብ ኣፍሊጡ ኣሎ ትብል ኣስቴር ምስጋናው ካብ ባህርዳር።

XS
SM
MD
LG