ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ኣበርገለ ብዘይተፈልጠ ሕማም ተላገብ 9 ህጻናት ሞይቶም


ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓይልታት ህወሓት ተቖጻጺሮሞ ኣብ ዝርከቡ ዞባ ዋግሕምራ ወረዳ ኣበርገለ፡ እንታይነቱ ዘይተፈልጠ ሕማም ተላገብ ትሸዓተ ህጻናት ከምዝቐተለ ካብቲ ቦታ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ስፍራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህወሓት ብምዃኑ ኣቲኻ ሕክምና ምሃብ ኣይክኣልን ዝበለ መምርሒ ሕክምና`ቲ ኸባቢ፡ዓለምለኸ መሻርኽቲ ናብቲ ቦታ ኣትዮም ተወሳኺ ሞት ክከላኸሉ ጸዊዑ`ሎ።

ሕጂ ኣብ ሰቖጣ ኣብ መዕቆቢ ተፈናቐልቲ ዝርከብ ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣበርገለ፡ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ እቲ ሕማም ብሓንቲ ቁሸት ጀሚሩ ናብ ካልኦት ዓድታት`ውን ይሰፍሕ ኣሎ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG