ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝነበረ ኲናት ዝበጽሐ ጉድኣት ዝምርምር ግብረ ሓይሊ ስርሑ ምጅማሩ ተገሊጹ


ደሴ ከተማ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ህወሓት ተቆጻጺርዎም ኣብ ዝነበሩ ሸውዓተ ዞባታትን ሓደ ናይ ከተማ ምምሕዳርን ንዝወረደ ጉድኣት ብሳይንሳዊ መንገዲ ዘጽንዕ ግብረ ሓይሊ ሰብ ሞያ ስርሑ ጀሚሩ ክብል መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ።

ብደረጃ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ኣተሓባባሪ ማሕበራዊ ክላስተር ዝኾኑ ኣቶ ስዩም መኮነን ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ወራሪ ትግራይ ክብሉ ዝጸውዕዎ ሓይሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተቆጻጺርዎ ኣብ ዝነበሩ ሸውዓተ ዞባታትን​ ሓ​ንቲ ናይ ከተማ ምምሕዳርን ኣብ ሰብኣዊ ማሕበራዊ ንዋትን መሰረተ ልምዓት ክብርታት ባህልን ሃይማኖትን ጉድኣት ኣውሪዱ'ሎ።

ነቲ ዝወረደ ጉድኣት'ዉን ብሳይንሳዊ መንገዲ ዘጽንዕ ግብረ ሓይሊ ሰብሞያ ናብቲ ቦታ ከይዱ ስርሑ ጀሚሩ'​ሎ ኢሎም።

ኣብ ኹሉ ቦታ ዘተኣማምን ጸጥታ ኣሎ ዝበሉ በዓል ስልጣን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ስዩም መኮነን ነቲ ዝወረደ ጉድኣት ክፈልጡ ዝደልዩ ዓለምለኸ መሓውራት ዜናን አባላት ማሕበረሰብ ዳያስፖራን ከይዶም ክርእዩ ይኽእሉ እዮም: መዕርፎ ነፈርቲ ላሊበላ'ዉን ስርሑ ሎሚ ጀሚሩ'ሎ ምባሎም ተሓቢሩ'ሎ።​

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG