ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣስታት 400 ሓደሽቲ ምሩቓት ሓካይም ስራሕ ክረኽቡ ብዘይምክኣሎም ቅሬታኦም ኣስሚዖም


ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመረቑ ኣስታት 400 ሓካይም ኣብ ውሽጢ ሃገር ተቖፂሮም ክሰርሑ ከምዘይክኣሉ ብምግላፅ ቅሬትኦም ኣስሚዖም።

እቶም ሓኻይም ጥርዓኖም ንንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ሰለማዊ ሰልፊ ብምክያድ ንዝምልከቶ ኣካል ንምቕራብ እንተፈተኑ እውን ሰማዒ ከምዝስኣኑ ይዛረቡ።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ሓዊሱ ዝምልከቶም ሰበስልጣን እቲ ክልል ንምርካብ ዝተገበረ ፃዕሪ እንተዘይተዓወተ እውን ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ሊያ ታደሰ ግን እቲ ፀገም ተፈጢሩ ዘሎ ብሰንኪ ሕፅረት በጀት እዩ ኢለን።

ንመጻኢ እቶም ሓካይም ፈጠርቲ ስራሕ ክኾኑ ወይ ድማ ናብ ካሊእ ሃገር ከይዶም ክሰርሑ ኩነታት ከምዝጠዓዓመሎም ገሊፀን ።

XS
SM
MD
LG