ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣስታት 200 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ተገሊጹ


ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው  ሙሉነህ 
ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው  ሙሉነህ 

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ፈደራል መንግስቲ በይንኣዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ድሕሪ ምውሳዱ ህወሓት “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ንዝብሎም ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ተዋጋእቲ ኣካል’ቲ ኣሸባሪ ዝተሰምየ ውድብ ዝብሎም ሓይሊ ብዝቐፀልዎ ውግእ ልዕሊ 200 ሽሕ ነበርቲ'ቲ ክልል ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ሎሚ ንሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣብቲ ክልል በሰንኪ ግጭትን ናይ ተፈጥሮ ሓደጋን ዝተመዛበሉ ኣስታት ፍርቂ ሚሊዮን ሰባት ሕፁፅ ረድኤት የድልዮም ኣሎ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም እቲ ፀገም ብተደጋጋሚ እንተተገለፀ'ውን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዝኾነ ይኹን ምላሽ ዘይምሃቡ ከምዘሕዘኖም ገሊፆም ።

XS
SM
MD
LG