ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብብረት ዝተሰነየ ግጭት ምክያዱ ኣመሓዳሪ'ቲ ዞባ ገሊጾም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዞባ ብሔረሰብ ኦሮሞ ከተማ ሰንበቴን ከባቢኣን ሎሚ ሰኑይ 23 ጥሪ 2023 ብብረት ዝተሰነየ ግጭት ከም ዝነበረ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣሕመድ ዓሊ ንሬድዮ ድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።

ቅድሚ ትማሊ’ዉን ብቀበሌታትን ወረዳታትን ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ ተኸቢባ ኣብ ትርከብን ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ኣብ ወረዳ ኤፍራታ ግድም ትርከብ ቀበሌ ጀውሃው ካልእ ግጭት ከም ዝነበረ ተገሊፁ’ሎ።

እቲ ናይ ሰንበቴ ግጭት ዝተወለዐ ንኩነታት ጀውሃው ንምቑፅፃር ፃዕሪ እናተገብረ እንከሎ ምዃኑ ዝገለፁ ኣቶ ኣሕመድ ዓሊ መበገሲን ዝወረደ ጉድኣትን ብዝምልከት ሓበሬታ ከምዘይብሎም ተዛሪቦም’ለዉ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ብወገኖም እቲ ክልል ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ይዘራረብ ከምዘሎ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG