ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ዂናት 2 ሚልየን ተማሃሮ ካብ ትምህርቶም ምዝንባሎም'ቲ ክልል ሓቢሩ


ወሃቢ ቓል`ቲ ክልል ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ
ወሃቢ ቓል`ቲ ክልል ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ

ብሰንኪ`ቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ዂናት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ክልተ ሚልየን ተማሃሮ ካብ ትምህርቶም ከምዝተመዛበሉ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቓል`ቲ ክልል ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ካብቶም ተመሃሮ 850 ሺሕ ጥራሕ ናብ ትምህርቶም ተመሊሶም ኣለዉ ኢሉ። ኣስዒቡ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ልዕሊ ሸውዓት ሺሕ ኣብያተ ትምህርቲ በቶም ነቲ ከባቢ ተቖጻጺሮም ዝነበሩ ሓይልታት ህወሓት ዓንዮም`ዮም ኢሉ።

ሚንስትሪ ትምህርቲ፡ እቶም ኣብ ከባቢ ግጭት ዝነበሩ ተመሃሮ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእትዎም ፈተና ክወስዱ ምፍቃዱ፡ ክልል ኣምሓራ ከምዝንእድ`ውን እቲ ወሃቢ ቓል ጠቒሱ`ሎ።

ምስቲ ኩናት ብዝትሓሓዝ ዝዓነው ልዕሊ ክልተ ሺሕ ኣብያተ ትምህርቲ ዳግም ንምህናጽ ናይ ኩሉ ወገን ምርብራብ ከምዝሓትት`ውን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG