ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ብምውሳኹ ኣብ መዓልቲ 1.2 ሚልዮን ኩንታል እኽሊ ከምዘድልይ ተሓቢሩ


ፋይል - ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ሓገዝ እኽሊ ዝወስድሉ ዝተወሰደ
ፋይል - ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ሓገዝ እኽሊ ዝወስድሉ ዝተወሰደ

11.4 ሚሊዮን ሰባት ህፁፅ ረድኤት መግቢ ከምዘድልዮም ክገልፅ ዝፀንሐ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ምንባር ዝጀመሩ ሓደጋ ጥምየት ከምዘጋጠሞም ነበርቲ ገሊፆም።

ወይዘሮ ኣለሚቱ ኣበራ ዝተባህላ ኣብ ሰሜን ወሎ መቄት ወረዳ ከምዝነበራ ብምግላፅ እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ትግራይ ምስ ወደቐ ካብቲ ከባቢ ሃዲመን ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ባህር ዳር ከምዝነበራ ይገልፃ።ሕጂ ምስ ተመለሳ ግን ንብረተን ዓንዩ ከምዝረኸብኦ ይዛረባ።

ናይቲ ክልል ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን ኮሚሽነር ዘለኣለም ልጃለም ኣብቲ ክልል ህፁፅ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት እናወሰኸ ብምኻዱ ኣብ መዓልቲ 1.2 ሚሊዮን ኩንታል እኽሊ ከምዘድሊ ሓቢሮም።

ንሶም ወሲኾም ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ኵናት ካብ ዝተመዛበሉ 2.3 ሚሊዮን ሰባት 160,000 ሰባት ናብ መንበሪኦም ዝተመለሱ ክኾኑ ከለው ክሳብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ናይ ምግዓዝ ስራሕ ከምዝቕፅል ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG