ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ 4.6 ሚልዮን ሰባት ውሕስነት መግቢ ከምዘይብሎም ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ


ኣብ ክልል ትግራይ፣ 4.6 ሚልዮን ሰባት ውሕስነት መግቢ ዘይብሎም፣ ክልተ ሚልዮን ድማ ኣብ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ከምዝወደቁ፣ ብሕልፊ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ፣ ምብራቅን ማእከላይን ትግራይ ዝበርተዐ ጸገም ከምዘጋጠመ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ፣ ካብ ሓሙሽተ ስድራቤታት እተን ኣርባዕተ ዝተማለአ መግቢ ዘይረኽባ ምዃነን፣ 57 ሚእታዊት ድማ ትሑት መጠን መግቢ ዝረኽቡ ምዃኖም ሓቢሩ።

መጽናዕቲ ካብ ዝተኻይደሎም ሰባት እቶም 80 ሚእታዊት ዕዳጋታት ጽቡቅ ይሰርሑ ኣለው ክብሉ ከለው፣ 66 ሚእታዊት ድማ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ስለዘየለ ክዕድጉን ክሽምቱን ከምዘይከኣሉ ይሕብሩ።

XS
SM
MD
LG