ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ 2.3 ሚልየን ዝግመት ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ተገሊጹ


ኣብ ክልል ትግራይ 2.3 ሚልየን ዝግመት ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ተገሊጹ።

ወሃቢ ቓል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስተፋኒ ዱጃሪክ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብሰንኪ ግጭት ሓገዝ ዘድልዮም ተወሰኽቲ 1.3 ሚልየን ከምኡ ኣቐዲሞም ዝጸንሑን ስደተኛታት ዝርከብዎም 950 ሺሕ ሰባት ከም ዘለዉ ጠቑሱ`ሎ።

መብዛሕቲኡ ሰሜናዊ ምዕራብ፡ ምብራቓውን ማእከላይን ክፋላት ክልል ትግራይ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታን ቢሮክራሲያዊ ኣሰራርሓን ንምብጽሖም ደረታት ከምዘሎን፡ ኣብ ገለ ገጠራት`ውን ሓሓሊፉ ኩናት ከምዝስማዕ ዝጠቐሰ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ መንጎ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት እተን ክልተ ማለት ሒጻጽን ሺመልባን`ውን ገና ከምዘይእተዋ ሓቢሩ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG