ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኩናት ኣብ ልዕሊ ልምዓት መስኖ ከቢድ ሃስያ ከምዘስዓበ ተገሊጹ


ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ ኣቶ ኣትንኩት መዝገቦ
ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ ኣቶ ኣትንኩት መዝገቦ

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኩናት ኣብ ልዕሊ ልምዓት መስኖ ከቢድ ሃስያ ከምዘስዓበ፡ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ ኣቶ ኣትንኩት መዝገቦ ምግላጹ ተሓቢሩ::

ኣብ ስርሓት ልምዓት መስኖ ቕድሚ ኩናት ዝነበረ ምንቅስቓስ ልዕሊ 54 ሺሕ ሄክታር ይለምዕ ምንባሩ ዝጠቐሰ ኣቶ ኣትንኩት፡ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ዝኸውን ግን ፡ ገባር ኸልምዓሉ ዝፈቅድ ኩነታት ኣይነበረን ኢሉ።

“ሎሚ ክንድ'ዚ ዝኸውን ለሚዑ ኣሎ ኢልና ክነቐምጥ ኣይንኽእል::”

ሕጂ ክንገብሮም ካብ ዝግብኣና ነገራት ሓደ፡ ንመስኖ ስርሓትና ብቐዋሚ ተኽሊ(ከም ፍረታት) ምዕጃብ`ዩ ዝበለ ኣቶ ኣትንኩት መዝገቦ፡ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክንሰርሖ ካብ ዝመደብና ካልእ ጉዳይ ድማ፡ ዘመናዊ ናይ ዘርኢ ኣጠቓቕማ ምኽታል`ዩ ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG