ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ጉድኣት ምብጽሑ ዘርእይ ምስሊ ሳተላይት ምርካቡ ጸብጻባት ይሕብሩ


ፋይል- ማይ ዓይኒ መዓስከር ስደተኛታት
ፋይል- ማይ ዓይኒ መዓስከር ስደተኛታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝርከብ ሓደ መዓስከር ስደተኛታት፡ ልዕሊ 400 ዝኸውን ቅርጽታቱ ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረዶ ሓዱሽ ካብ ሳተላይት ዝተረኽበ ምስሊ ኣርእዩ ። ብምኽንያት ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ዂናት ኮነ ተባሂሉ ዝተፈፀመ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ነቲ መፅናዕቲ ዘካይድ ዘሎ ጉጅለ ይዛረብ ።

ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ DR open Network ዝተባህለ ዘይመኽሰባዊ ትካል ንኣሶሼትድ ፕረስ ከም ዝሓበሮ እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ኸባቢ ክፍጸም ናይ ዝጸንሐ ተኸታታሊ ወተሃደራዊ ምትእትታው ዳሕራዋይ መጥቃዕቲ ክኸውን ይኽእል`ዩ ተባሂሉ`ሎ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ስደተኛታት ከምዝበልዎ ቅድም ኢሎም ዝተረኽቡ ምስልታት ነቶም ቀንዲ ዓለምለኸ ሕግታት ምጥሓሶም ዘመላኽቱ ጭቡጥ መርኣያታት እዮም ክብሉ ጠቂሶም እዮም ።

እቲ መዓስከር ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ክልል ትግራይን ኲናት ቅድሚ ምልዓሉ 96,000 ስደተኛታት ኤርትራ ተዓቊቦሙሎም ካብ ዝነበሩ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣርባዕተ መዓስከራት እቲ ሓደ እዩ። ንጡፍ ተሳትፎ ሰራዊት ኤርትራ'ውን ከምዘሎ`ውን ፀብፃብ ኣሶሼትድ ፕረስ ይሕብር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG