ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዒላማ መጥቓዕቲ ይኾኑ ምህላዎም ኪኢላ ሕ/ሃ ገሊጹ


ፋይል - ማይዓይኒ መዓስከር ኤርትራዊያን ስደተኛታት

አብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት፣ ዒላማ መጥቓዕቲ ኩሎም ወገናት ይኾኑ ከምዘለው ዝገለጸ ኪኢላ ሕቡራት ሃገራት "ኩሎም ሓይልታት፣ ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊታት ንስደተኛታት ክከላኸሉሎም" ጸዊዑ።

"ውግእ ካብ ዝጀመረሉ ጊዜ ጀሚሩ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስደተኛታት መግሃስቲ መሰላትን ግህሰት ሰብኣዊ ሕጊታትን ከምዝተፈጸመ ዝሕብሩ ጭብጢታት በጺሑኒ’ዩ"ዝበሉ ፍሉይ ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት ዶ/ር መሓመድ ዓብድሰላም ባቢከር "ፈጸምቱ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ወትሃደራት ኤርትራን ምስ ህወሓት ዝወገኑ ሓይልታትን’ዮም" ኢሎም።

ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዒላማ መጥቓዕቲ ዝኾኑ ምስ’ቲ ካልእ ወገን ወጊንኩም ተባሂሎም ከምዝኾነ’ውን ይሕበር።

XS
SM
MD
LG