ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ለበዳ ሕማም ንፍዮ ከምዝተርኣየ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ::
ቁፅሪ በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት ክሳብ ሎሚ ረቡዕ 81 ከምዝበፅሐ ዘፍለጠ እቲ ቢሮ ወፍሪ ክታበት ንፍዮ ድማ ይወሃብ ከምዘሎ ገሊፁ:: ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ኣስገደ-ፅምብላ ለበዳ ሕማም ንፍዮ ድሕሪ ክልተ ዓመት ከምዝተርኣየ ኣተሓባባሪ ምእላይ ሓደጋታት ጥዕና ሕብረተሰብ ቢሮ ሓላዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣይተ ሳሙኤል ኣረጋይ ንድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም::
ዛጊድ ሸውዓተ ትሕቲ ሓሙሽተ ዕድመ ሓዊሱ 81 ሰባት ከምዝሓመሙ ኣይተ ሳሙኤል ገሊፆም:: ነቲ ሕማም ንምክልኻል ክታበት ፀረ ንፍዮ ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ከምዝተጀመረን ክሳብ ዓርቢ ኣብቲ ወረዳ ክቕፅል እዩ ኢሎም:: ኣብ ወርሒ ጥሪ እውን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም ኣብ ልዕሊ 100 ሰባት: ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ድማ ኣብ ልዕሊ 40 ሰባት እቲ ሕማም ተራእዩ ምንባሩ ዝገለፁ ኣይተ ሳሙኤል ነቶም ዝሓመሙ ሕክምና ከምዝተውሃቦምን ንተምሃሮን ማሕበረሰብን እተን ዩኒቨርሲቲታት ድማ ክታበት ፀረ ንፍዮ ከምዝተኸተቡ ገሊፆም::
ንሶም ወሲኾም ሕማም ንፍዮ ቅልጡፍ ሕክምና ተዘይርኺቡ ጉድኣት ኣካል ከምዘብፅሕ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ዝቐትል ሕማም ብምኻኑ እቲ ሕማም ዝተርኣዮም ብቕልጡፍ ናብ ትካል ጥዕና ከምርሑ ይግባእ ኢሎም:: እቲ ሕማም ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ኤርትራውያን እውን ብለበዳነት ተራእዩ ምንባሩ ኣይተ ሳሙኤል ኣዘኻኺሮም::