ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ ናብ 8 ወረዳታት ምስፍሕፍሑ ተገሊጹ


ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን እቲ ክልል ከምዝሓበሮ እቲ ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ህዝቢ ብስፋሓት ይሳተፍ ከምዘሎ እዩ:: በነፋሪት ተጠቒምካ ኬሚካል ናይ ምንጻግ ስራሕ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ከምዝተጀመረ እውን እቲ ቢሮ ኣፍሊጡ::

ኣብ ዝሓለፊ ሰሙን ረቡዕ 12 ጥቅምቲ 2012 ድሕሪ ቀትሪ ብክልል ዓፋር ኣቢሉ ኣብ መዋስንቲ እቲ ክልል ናብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ውላጋ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እዩ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ምእታው ተፈሊጡ’ሎ:: እቲ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ 8 ወረዳታት ምስፍሕፍሑ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ኣይተ ሚኪኤለ ምሩፅ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም::

ንሶም ነቲ ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ተማሃሮን ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ትግራይን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ይሳተፉ ኣለዉ ኢሎም:: ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ዝርከቡ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ደገፍቲ መናእሰይ ብምልዕዓል እቲ ዕሰለ ኣምበጣ ኣብ ምክልኻል ልዑል ግደ የበርክቱ ኣለዉ ኢሎም::

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ገጾም ትማሊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ: ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ንዝወፈሩ መናእሰይ ዘለዎም ልዑል ክብርን ናእዳን ገሊፆም::

ኣብ ምክልኻል እቲ ዕስለ ኣንበጣ መንግስቲ ዘመናዊ መከላኸሊ ሜላ ኣይጥቀምን ዘሎ ዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ ኣይተ ሚኪኤለ "ኬሚካል ቀትሪ እንትንፀግ ስለዘይረኣዩ እዮም ከምኡ ዝብሉ ዘለዉ እምበር መድሓኒት ወጋሕታ ሰዓት 10 ኣትሒዙ ክሳብ ሰዓት ክልተ ይንፀግ ኣሎ" ኢሎም። ብነፋሪት ኬሚካል ናይ ምንፃግ ስራሕ እውን ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ማሩ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ሎሚ ምንጻግ ተጀሚሩ’ዩ ኢሎም::

ኣብ ሸሞንተ ወረዳታት ክሳብ ሐዚ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝተርኣየሎም ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ዘብፀሖ ጉድኣት ኣሎ’ዶ ንዝብል እውን ልዑል ምክልኻል ይግበር ስለዘሎ ክበፅሕ ዝኽእል ጉድኣት ትሑት እዩ:: ድሕሪ እቲ ስራሕ ምክልኻል ድማ ዘብፀሖ ጉድኣት ፀብፃብ ንህዝቢ ነፍልጥ ኢና ክብሉ ንኣይተ ሚኪኤለ ኣረዲኦም::

ንሶም ወሲኾም ነቲ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ይንቀሳቐስ ስለዘሎ ሕብረተሰብ ቀልጢፉ ዝበፅሑ ዘራእቱ ክዓፅድን ክእክብን ይግባእ ኢሎም:: ብተወሳኺ ድማ እቲ ዕስለ እንትርአ ብቕልጡፍ ንሰብ ሞያ ሕርሻ ሓረስቶት ከፍልጡ ይግባእ ኢሎም ::

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ውድባት ዓረና ትግራይ ንሉኣላውነትን ዴሞክራሲን፣ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ባይቶናን ኣባላቶም ናብ ዕስለ ኣንበጣ ዝተርኣየሎም ከባቢታት ኣዋፊሮም ኣብ ምክልኻል ዕስለ ኣንበጣ ግደኦም የበርክቱ ከምዘለው’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG