ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ነጻ ኣገልግሎት ክረምታዊ ወፍሪ 480 ሽሕ መናእሰይ ከምዝሳተፉ ተገሊጹ


ኣብ ትግራይ ኣብ ነፃ ኣገልግሎት ክረምታዊ ወፍሪ ልዕሊ 480 ሽሕ መናእሰይ ክሳተፉ ምድላዋት ከምዝተወገነ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ::

ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ንነፃ ክረምታዊ ወፍሪ መናእሰይ ንምጅማር ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ መርሃግብሪ ካብ ዝተሳተፉ ሓደ ተስፋይ ገብረኪዳን ተማሃራይ ራብዓይ ዓመት ኢንዳስትሪያል ኢንጂኔሪንግ ዩኒቨርሲቲ መቐለ እዩ:: ኣብዚ ክራማት ንተማሃሮ ትምህርታዊ ሓገዝ ንምሃብ ምድላዋት ከምዝገበረ ይገልፅ:: ብተወሳኺ እውን ተስፋይ ኣብቲ ክፍለ ከተማ ማሕበራዊ ፀገም ንዘለዎም ወገናት ንምሕጋዝ ከምዝሰርሕን: ሰላም ከባቢ ኣብ ምሕላው ድማ ጠመተ ሂቡ ከምዝሰርሕ ተዛሪቡ::

ብርኽቲ ገብሩፋኤል ድማ ተማሃሪት 4ይ ዓመት ኤሌክትሪካል ኢንጂኔሪንግ እያ:: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ብዛዕባ ስራሕ ዘይብሎም መናእሰይ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ተዋፊራ ብነፃ ከምዘገልገለት ተዛሪባ:: ሎሚ ክራማት ድማ ኣብ ትምህርታዊ ሓገዝ ንተማሃሮ ንምስራሕ ተዳልየ ኣለኹ ኢላ::

ጎይተኦም ሰናይ ዝተባህለ መንእሰይ ብወገኑ ካብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብባዮ ቴክኖሎጂ ብዲግሪ ተመሪቑ:: ኣብዚ ክራማት ንሱ እውን ኣብ ነፃ ግልጋሎት መናእስይ ብፍላይ ትምህርታዊ ሓገዝ ንተሃሃሮ ንምሃብ ብናይ ባዕሉ ድልየት ይዳለው ከምዘሎ ሓቢሩ::

ኣብ ክልል ትግራይ ኣስታት 480 ሽሕ መናእሰይ ኣብ ልገሳ: ተኸላ ፈልሲ: ትምህርታዊ ሓገዝ ንተማሃሮ: ፅርየት ከተማ: ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንፅጉማት ወገናትን ብተወሳኺ ድማ ብሞየኦም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ ተዋፊሮም ክረምታዊ ነፃ ግልጋሎት ክህቡ ትፅቢት ከምዝገበር ካብ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ክልል ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG