ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ኣስታት 3.8 ሚልዮን ህዝቢ ረድኤት ይበጽሖ ከምዘሎ ተገሊጹ


ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣስታት 3.8 ሚልየን ህዝቢ ረድኤት ይበጽሖ ከምዘሎ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ረድኤት ድማ መግብን ካልእ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዛትን ዘጠቓልል ምዃኑ ጠቒሱ`ሎ።

ኣብቲ ኽልል ሎሚ ኣብ ዝኾነ ስፍራ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ክፉት ኮይኑ`ሎ ዝበለ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ብጽሒት ዓለምለኸ ረድኤት ግን ካብ 30% ኣይሓለፈን ክብል ገሊጹ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ልዝብ ሓጽቢ ሕዳሰ፡ ንመጻኢ`ውን ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክቕጽል ከምዘለዎ`ውን እምነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ጠቒሱ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG